ሰሜን ኮርያ: ንኮቪድ ብባህላዊ መገዲ ትቃለስ

ኣብ ፒዮንግያንግ ሕክምናዊ ኦክስጅን ዝጸዓነት መኪና መምከኒ እናተነጸገት 19 ግንቦት 2022

ምንጪ ስእሊ, EPA

ንህዝባ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘይሃበት ሰሜን ኮርያ ብዘይ ጸረ-ቫይረስ ኣፋውስ፡ ለበዳ ኮቪድ ደው ንምባል ትቃለስ ኣላ።

እቲ ሕማም ኣብ ፈለማ 2020 ናብ ዓለም ምስ ተዘርግሐ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ዶባታ ብምዕጻው እያ ክትገጥሞ ፈቲና።

ዛጊት ሕክምናዊ ሓገዛት ንምቕባል ድልውቲ ኣይኮነትን።

ሕጂ ከኣ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ነቲ "ረስኒ" ክብል ንዝጸውዖ ሕማም፡ ህዝቢ ብባህላዊ መገዲ ክቃለሶ ኣተሓሳሲቡ።

ውዑይ መስተ

ጋዜጣ ሮዶንግ ሲምኑን ኣብ ሕታሙ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቶም ብጽኑዕ ዘይሓመሙ ሰባት፡ ጅንጅብል ወይ ባህላዊ ሻሂ ክጥቀሙ ምዒዱ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ማስክ ጌሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውዑይ መስተ ከም ነድሪ ጎረሮን ሰዓልን ዝኣመሰሉ ገለ ምልክታት ኮቪድ ከህድእን ንሃይድሬሽን ክሕግዝን ይኽእል እዩ።

ጅንጅብል'ውን ሕበጥን ቃንዛን ንምጉዳል ሓጋዚ እዩ። እንተኾነ ግና ካብቲ ቫይረስ ክፍውሱ ኣይኽእሉን።

ማይ ጨው

እቲ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ንግሆን ምሸትን ማይ ኣብ ኣፍን ጐረሮን ጐራዕራዕ ምባል ጠቓሚ እዩ ንዝብሉ ሰባት ኣቕሪቡ ነይሩ።

እቲ ጋዜጣ ወሲኹ "ጸረ ረኽሲ ፈውሲ ንምምዕባል ሓደ ሽሕ ቶን ጨው" ናብ ፕዮንግያንግ ከምዝተላእኸ ገሊጹ።

ገለ መጽናዕትታት፡ ብማይ ጨው ጐራዕራዕ ምባልን ንኣፍንጫ ምጽራይን ነቶም ጉንፋዕ ዘስዕቡ ቫይረሳት ኣብ ምቅላስ ሓጋዚ ምዃኑ ገለ መጽናዕትታት ይእምቱ።

እንተኾነ ግና እዚ መገድታት ንዝርግሐ ኮቪድ ከጉድል ከምዝኽእል ዘርአይ መርትዖ ሒደት እዩ።

መሕጸቢ ኣፍ ነቲ ቫይረስ ክቐትሎ ከምዝኽእል ናይ ላቦራቶሪ መጽናዕትታት የርኢ። እንተኾነ ግና ኣብ ሰባት ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል ኣይተረጋገጸን።

ኣባላት ሰራዊት፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ሰሜን ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ኣፋውስ ኣብ ምዝርጋሕ ተዋፊሩ ኣሎ

ፈውሲ ቃንዛን ጸረ-ነፍሳት

ሕሙማት፡ ከም ኢቢ-ፕሮፈን ዝኣመሰሉ ፈውሲ ቃንዛን ኣሞክሲሊንን ካልኦት ጸረ-ረኽስን ክወስዱ መንግስታዊ ቴለቪዥን መኺራ።

ኢቢ-ፕሮፈን ከምኡ'ውን ፓራሴታሞል ረስኒ ንምጉዳልን ከም ሕማም ርእስን ነድሪ ጐረሮን ዝኣመሰሉ ምልክታት ንምጉዳል ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ካብቲ ቫይረስ ግና ክፍውሱ ኮነ ክኸላኸሉ ኣይኽእሉን።

ብባክተርያ ንዝስዕብ ረኽሲ ዝውሰዱ ጸረ-ነፍሳት ግና ንቫይረስ ኣይወሃቡን እዮም።

ጸረ-ነፍሳት ብዘይ ግቡእ ምጥቃም ከኣ ተጻዋርነት ዘለዎም ሓሸራታት ከማዕብል ይኽእል እዩ።

ብኮቪድ ዝተለኽፉ ሰባት፡ እቲ ሕማም ከይብርትዖም ሓገዝቲ ከምዝኾኑ ዝተገለጸ ኣፋውስ፡ ከም ረምደሲቪር ዝኣመሰሉ እዮም።

ዓለምለኻዊ ሓገዝ

ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ቻይና ንዝተለገሰላ 3 ሚልዮን ክታበት ኮቪድ ምቕባል ከምዝኣበየት ይግለጽ።

ደቡብ ኮርያ ብወገና ክታበታት፡ ሕክምናዊ ሓገዝን ሞያውያንን ንምልኣኽ ዘቕረበቶ ሕቶ ምላሽ ከምዘይረኸበት ኣፍሊጣ።

ኣብ ቀረባ መዓልትታት ግና ሰሜን ኮርያ ሕክምናዊ ቀረባት ካብ ሸንያንግ (ቻይና) ንምውሳድ ሰለስተ ነፈርቲ ከምዝለኣኸት ይንገር።

እንተኾነ እዚ ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ዘድሊ ቀረባት ዘጠቓልል ከምዘይነበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ክሕብር እንከሎ፣ "ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ሰሜን ኮርያ ንምስራሕ" ድለው ከምዘሎ ኣፍሊጡ።