እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ወተሃደራታ ዳግም ናብ ሶማልያ ክትልእኽ'ያ
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንውሳነ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ብምቕልባስ ወተሃደራት ኣመሪካ ዳግም ናብ ሶማልያ ንምልኣኽ ዝቐረበ ሓሳብ ኣጽዲቑ።
ፔንታጎን፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ክምደቡ ዘቕረቦ ጠለብ፡ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ኣ'ሸባብ ንምቅላስ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ኣብ 2020 ኣስታት 700 ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶማሊያ ከም ዘውጽኦም ይፍለጥ።
ብዛዕባ ሰላም ብምጉስጓስ ዝፍለጥ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ትማሊ ወግዓዊ ስርሑ ክጅምር እንከሎ ምስ ዓለምለኻውያን መሻርኸቲ ብቐረባ ከም ዝሰርሕ ተመባጺዑ።
እታ ሃገር፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝዘለቐ ጸገማት ድሕነትን ጸጥታን: ከምኡ'ውን ዝበዝሕ ከባቢታት እታ ሃገር ተቘጻጺሩ ግብሪ ኣብ ምእካብ ዝርከብ እስላማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣ'ሸባብ ብዝፍጽሞም መጥቃዕታትን ክትሕመስ ጸኒሓ እያ።
ኣመሪካ ኣብ እዋን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ሰራዊታ ካብ ሶማልያ ብምውጽኣ፡ ብዙሓት ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም።
መብዛሕትኦም ሶማላውያን'ውን፡ ህይወቶም ኣብቶም ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዝርከቡ ልዕሊ 19 ሽሕ ዓቀብቲ ሰላም ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሞርኮሰ'ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናብ ሶማልያን ካልእን ተንቀሳቒሶም ዝፈልጡ ትሕቲ 500 ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ዝልኣኹ፡ ወሃቢት ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ኤድሪን ዋትሰን ተዛሪባ።
ውሳነ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ውን "ህውኸ" ነይሩ ክትብል ነቒፋ።
ዕጡቓት ኣ'ሸባብ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን መጥቃዕታት ክፍጽሙ ጸኒሖም ኣለው።
ብሰንኪ'ዚ ሶማልያ፡ ሚልዮናት ንህጹጽ ረድኤት መግቢ ብዘቃልዐ ደርቂን ናህሪ ዋጋታት መግብን ነዳድን ትፍተን ኣላ።