ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ ጋዝ ሩስያ ተመቓቒለን

ጋዝ መተሓላለፊ መትረብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃንጋሪ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝግበር ዘሎ እገዳ ጋዝን ነዳድን ሩስያ ከም ዘይትድግፍ፡ ኣፈኛ መንግስ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ዞላታን ኮቫክ፡ “ኣብ ልዕሊ ጋዝን ነዳድን ሩስያ ኣብ ዝግበር ዘሎ እገዳ መርገጺና ንጹርን ዘይቅየርን እዩ፣ ንሕና ኣይንድግፎን ኢና” ኢሉ።

ምሉእ እገዳ ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ቅራይ-ነዳዲ ሩስያ ብኮሚሽን ኣሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብዚ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ሻድሻይ ዙርያ እገዳ ኣንጻር ሩስያ ኣብ ግምት ምእንቲ ክኣቱ ከም ዝኽእል ተፈሊጡ’ሎ።

ሚኒስተራት ጸዓት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝገብርዎ ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ሓደ ስሙር መርገጺ ክበጽሑ ተስፋ ኣንቢሮም ኣለው።

እንተዀነ ሚኒስተር ቁጠባ ጀርመን ሮበርት ሃበክ፡ ኣብ መንጐ’ተን 27 ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ነዚ ጉዳይ ኣብ ዝተመልከተ ነጥቢ ሓባራዊ መርገጽ ከምዘይብለን ተዛሪቡ’ሎ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ ቓል፡ “ካልኦት ሃገራት ገና ኣይተሰማምዓሉን ዘለዋ፤ ድሌታተን ድማ ክኽበር ዘለዎ እመስለኒ። ንቐረብ ጋዝ ንኣብነት፡ ንሕና’ውን ድሉዋት የለናን” ኢሉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣካያዲ ናይቲ ኣብ ስሎቫኪያ ዝዓበየ ነዳዲ ኣቕራቢ ትካል ‘SPP’ ዝዀነ፡ ሪቻርድ ፕሮኪፓክ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ሩስያ ንቐረብ ነዳድን ጋዝን እንተቈሪጻቶ፡ ንሃገራት ኣውሮጳ ዓቢይ ሓደጋ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ ከምዝበሎ፡ እቲ ሓደጋ ኵሉሳዕ ኣሎ፣ እንተዀነ ትካሉ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እዋን ይዳሎ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ጉዳይ መሸጣ ጋዝን ነዳድን ትብሎ ከም ዘላ፡ ኵለን ዓደግቲ ሃገራት ብመገዲ’ቲ ንባጤራታት ንዶላር ይኹን ኣውሮ ናብ ሩብል [ባጤራ ሩስያ] ዝቕይር ናይ ብሕታ ዝዀነ ‘ጋዝፕሮም-ባንክ’ ዝተባህለ ባንክ ኣቢለን ክፍሊት ክፍጽማ እያ ትጠልብ ዘላ።

ንሱ ወሲኹ፡ ብርግጽ፡ “ንተፈጥሮኣዊ ጋዝ ሩስያ ቀሊል መተካእታ የለን” ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ “ኣብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ካብ ሩስያ ዝኣቱ ንብረት ዝግበር እገዳ ኣብቲ ኲናት ኣስተዋጽኦ ይህልዎ ይኸውን እዩ። እቲ ገጢሙና ዘሎ ብድሆ ግን፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ጋዝ ዝግበር እገዳ ነቲ ኲናት ደው ከብል ይኽእል ዶ? ዝብል እዩ፡’ ብምባል ስክፍታኡ ገሊጹ።

ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ብወገኑ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ነዚ ጠለባት ሩስያ እንተኣማሊአን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ዘሎ እገዳ ከላሕልሖ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ሕቶ ሩስያ ክንጸግ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።