ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኢሎን መስክ ካብ ትዊተር ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ብጽሒት ገዚኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወናኒ ኩባንያ ተስላ: ኢሎን መስክ: 9.2 ምኢታዊት ብጽሒት (ብርኪ) ትዊተር ከምዝገዘአ ምንጪታት ጸብጺቦም፡፡
መስክ ኣብ 14 መጋቢት ኣስታት 73,486,938 ብጽሒታት (ሼርስ) ከምዝገዘአ ዝተገለጸ ኮይኑ ብሓፈሻ 2.89 ቢልዮን ዶላር ከምዝግመት ተሓቢሩ፡፡
ብተወሳኺ ነቲ ዕድጊት ስዒቡ መሸጢ ዋጋ ብጽሒታት ቅድመ መሸጣ ትዊተር ብ25 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ ተገሊጹ፡፡
እቲ ወፍሪ ኤሎን መስክ ካብቶም ኣብ ትዊተር ዝለዓለ ብጽሒት ዘለዎም ሰባት ዝገብሮ ኮይኑ፡ ካብቲ 2.25 ምኢታዊት ብጽሒት ጥራሕ ዘለዎ መስራቲ እቲ ትካል ጃክ ዶርሰይ ልዕሊ ኣርባዕተ ኢድ ብጽሒት ወኒኑ ኣሎ፡፡
ስሩዕ ተጠቃሚ ትዊተርን ልዕሊ 80 ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዉዎን መስክ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሓድሽ ትካል ማሕበራዊ ሚድያ ንምጥያሽ ይሓስብ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ንሱ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንሰዓብቱ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ምዝራብ ነጻነት ዘተባብዕ እንተኾይኑ ሓቲትዎም ነይሩ፡፡
‘‘ናይ ምዝራብ ነጻነት ኣብ ተግባር ንዘሎ ዲሞክራሲ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ትዊተር ነዚ መትከል ብትሪ ይግዛእ እዩ ኢልኩም ዶ ትኣምኑ?’’
ቀጺሉ ‘‘ሓድሽ ማሕበራዊ ሚድያ የድልየና ዶ?’’ ክብል ሓቲቱ፡፡
ኢሎን መስክ ኣብ ከም ስፔስኤክስን ኒዩራሊንክን ዝኣመሰሉ ዝውንኖም ትካላት ዘለዉ ምዕባለታት ዝምልከቱ ጽሑፋት ብስሩዕ ኣብ ትዊተር ይልጥፍ፡፡ ዝልጥፎም መዘናግዒ ምስሊታት (መመስ) እውን ተፈላጥነቱ ክውስኽ ገይሮም እዮም፡፡
ገለ ካብኦም ድማ ክትዕ የልዕሉን የዘራርቡን፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 2 ምኢታዊት ካብ ሃብቲ ኤሎን መስክ ኣብ ዓለም ንዘሎ ጥምየት ክፈትሖ ከምዝኽእል ንዝገልጽ ጽሑፍ ሓላፊ ውድብ ምግቢ ዓለም፡ መልሲ ሂብሉ፡፡
ውድብ ምግቢ ዓለም ‘‘6 ቢልዮን ዶላር ከመይ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጥምየት ከምዝፈትሖ’’ እንተዳኣረዲእዎ፡ ካብ ተስላ ናይ 6 ቢልዮን ኣክስዮን ሸይጡ ነቲ ገንዘብ ከወፊ ከምዝኽእል ገሊጹ ነይሩ፡፡
መኪና ዘፍሪ ብመስክ ዝውነን ኩባንያ ተስላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋግኡ ልዕሊ 1 ትሪልዮን ዶላር ዝበጸሐ ኮይኑ፡ ካብ ኩባንያታት ኣፕል፣ ማይክሮሶፍት፣ ኣማዞንን ጉግል-ኣልፋቤትን ቀጺሉ ናብቲ ደረጃ ዝበጸሐ መበል ሓምሻይ ኩባንያ ኮይኑ ይርከብ፡፡
ንተጠቀምቲ ትዊተር፡ 10 ምኢታዊት ብጽሒት ናይቲ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ መካይን ዘፍሪ ኩባንያ ‘‘ክሸጦዶ ወይስ ኣይፋል’’ ኢሉ ድሕሪ ምሕታቱ ድማ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ድምጺ ሂቦም ነይሮም፡፡
ካብኣቶም እቶም 58 ምኢታዊት መሸጣ ብምድጋፍ ብምድማጾም፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ብጽሒት ሸይጡ፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







