ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን 15 ዝኣባላቱ ካቢነ ረቚሑ

ተቃዋሚ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት 15 ሚኒስተራት መዚዙ።

ንሱ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምክያድ ነቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ከካይድ ዝግብኦ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ምብታኑ ዝዝከር እዩ።

እቲ ዕልዋ ካብ ዝተፈጸመሉ እዋን ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዓበይቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ክካየድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ልዕሊ 70 ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።

ምርቋሕ ሓድሽ መንግስቲ ነቶም ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊ ምሕደራ ክህሉ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ካብ ምቅዋም ደው ዘብል ከምዘይኮነ ነቲ ኩነታት ብቕርበት ዝከታተልዎ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ኣቐድም ኣቢሎም፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ሕጊ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝውሰድ ዘሎ ጎነጻዊ ዓፈና ዝምልከት ገበናዊ መርመራ ክካየድ ጸዊዖም ኣለው።

እቶም ወተሃደራውያን መራሕቲ ኣብ ልዕሊ ዘይዓጠቑ ሰልፈኛታት ከቢድ ግህሰት ከምዝፈጸሙ እቶም ሰብ ሞያ ሕጊ ይኸስሱ።

ኣሜሪካ ብወገና ሱዳን ጎነጻዊ ስጉምትታት ምውሳድ ክሳዕ እተቋርጽን ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክሳዕ ዝምለስን ቁጠባዊ ሓገዝ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ቀደማይ ሚኒስተር ሱዳን ነበር ዓብደላ ሓምዶክ ምስ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ መዝነቱ ተመሊሱ እኳ እንተነበረ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብወለንትኡ ስልጣኑ ከምዝሓደገ ይዝከር።

ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ናብ መዝነቱ ተመሊሱ ዝነበረ ሓምዶክ ካብ ስልጣን ንምውራድ ብምውሳኑ መንግስቲ ሱዳን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት ክኸውን ገይሩ’ሎ።

እቲ ሰራዊት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍጻም ንሲቪላውያን መራሕቲ ድሕሪ ምብታኑ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን እኳ እንተኣወጀ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክገትኦ ኣይከኣለን።

ቀንዲ ጠለባት እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ እቲ ሰራዊት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብን ካብ መሪሕነት ክእለን ዝብል ምዃኑ ኣወሃሃድቲ እቲ ሰልፍታት ይገልጹ።