ካሜሩን ሰራሕተኛታት ካብ ሰዓት ስራሕ ነክዮም ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪካ ክከታተሉ ኣዚዛ

ምንጪ ስእሊ, James Copnall
ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቢው ዝተበሃለት ዋና ከተማ ክልል ደቡብ ምዕራብ ካሜሩን ካብ ሰዓታት ስራሕ ነክዮም ነቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ኣፍሪካ ክከታተሉ ይግደዱ ኣለዉ።
እቶም ሰራሕተኛታት ንግጥማት ዋንጫ ኣፍሪካ ክከታተሉ ግድን ኮይኑ ዘሎ ብመሰረት ካብ ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ዝወረደ መምርሒ ከምዝኾነ ከንቲባ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ናብዚ ውሳነ ዝተበጽሐ ድማ ኣብ መብዛሕቲኦም ዝተኻየዱ ግጥማት ኣብቶም ስታድየማት ብዙሕ ሰብ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።
ዋና ከተማ ክልል ደቡብ-ምዕራብ ካሜሩን ዝኾነት ቢው ነቶም ኣብ ሊምቤ ዝተበሃለት ካልአይቲ ከተማ እቲ ክልል ዝካየዱ ግጥማት ሓላፍነት ወሲዳ ኣብ ምትእንጋድ ትርከብ።
መብዛሕቲኦም ነበርቲ ከተማ ቢው ነቲ ኣብ ሞንጎ ተነጸልቲ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስትን ክፍጠር ንዝኽእል ጎንጺ ከምዝሰግኡ ይግለጽ።
እቶም ተነጸልቲ ሓይልታት ኣንጻር መንግስቲ ክቃለሱ ካብ ዝጅምሩ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመት ዝመልኦም ኮይኑ ነቲ ዝካየድ ግጥማት ከተኣጓጉልዎ ምዃኖም ከጠንቅቑ ጸኒሖም’ዮም። መንግስቲ ግን ጥቡቕ ሓለዋ ከካይድ ምዃኑ ንተዓደምቲ ይገልጽ።
ካልኦት ከተማታት ንኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ናብ ስታድየማት ዘብጽሓ ኣውቶብሳትን መኻይንን ኣቕሪበን’የን። ነዚ ዝገበራሉ ምኽንያት ድማ ቁጽሪ ኣብ ስታድየማት ዝርከቡ ዕዱማት ክውስኽ ንምግባር’ዩ።
መንግስቲ ካሜሩን ብሓፈሻ ኣብ ሰዓታት ስራሕ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ትምህርቲን ምንካይ ከምዝገበረ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምግላጹ ይዝከር።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ካብ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 02፡00 (08፡00 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ጀሚሮም ስራሕ ክዓጽዉ፤ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ካብ ሰዓት 01፡00 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ገዝኦም ክፋነዉ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







