ጀርመን፡ ኦላፍ ስኮልዝ ነታ ካብ ስልጣና ዝወረደት መርከል ብምትካእ ሓድሽ ቻንስለር ኮይኑ ተመዚዙ

ኦላፍ ስኮልዝ ሓድሽ መራሒ (ቻንስለር) ጀርመን ብምዃን ሎሚ ኣብ ከተማ በርሊን ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ።

እቲ ሓድሽ መራሒ፡ ነታ ን16 ዓመታት ንጀርመን ዝመርሐት ኣንገላ መርከል ብምትካእ'ዩ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ።

ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ማሕበርነታዊ-ደሞክራሲ (ሶሻል-ደሞክራትስ) ምስ ሓምላይ ሰልፍን፡ ደጋፊ ብሕታዊ ንግዲ ዝኾነ ናጻ ደሞክራስያውያን (ፍሪ ደሞክራትስ) ብሓባር ብምዃን'ዮም ልፍንታዊ መንግስቲ መስሪቶም ዘለዉ።

እቲ ሎሚ ዝተኻየደ ምስግጋር ስልጣን፡ ምብቃዕ ናይቲ ን31 ዓመት ዝቐጸለ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ፍልጥቲ ኣውሮጳዊት መራሒት ኣንገላ መርከል ዘመልክት ኮይኑ'ሎ።

ሓድሽ ቻንስለር ስኮልዝ፡ ኣብቲ ብመርከል ክምራሕ ዝጸንሐ መንግስቲ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ከገልግል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ምምሕዳር ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

እቲ ጸጋማዊ ፖለቲካዊ መበቆል ዘለዎን፡ ልኡም ምዃኑ ዝንገረሉን ሓድሽ ቻንስለር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ፓርላመንታዊ ምርጫ እቲ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ክዕወት ምብቅዑ ናእዳ ረኺቡ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝረኸቦ ድምጺ ንበይኑ መንግስቲ ክምስርት ዘኽእሎ ስለዘይነበረ፡ ደገፍ ካልኦት ሰልፍታት ክደሊ ግድነት'ዩ ነይሩ።

ሓድሽ ፓርላማ ጀርመን (ባንደስታግ) ኣብ ዝገበሮ መራሒ ናይ ምምራጽ መስርሕ ከኣ 395 ድምጺ ብምርካብ ቻንስለር ክኸውን በቒዑ።

ድሕሪ'ቲ ምርጫ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ባርበል ባስ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ብዘቕረበሉ ወግዓዊ ሕቶ መሰረት ስልጣን ተረኪቡ'ሎ።

ኦላፍ ስኮልዝ ኣቐዲሙ ከንቲማ ከተማ ሃምበር ምንባሩ'ውን ድሕረ-ባይትኡ ይምስክር።

ገለ ካብቶም ነዚ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ዘለዉ ብድሆታት፡ ምግታእ ክሊማዊ ለውጢን ንራብዓይ ማዕበል ንጀርመን ዘጥቅዐ ዓለማዊ ለበዳ ኮቪድ-19ን ይርከብዎም።

ዋላ'ኳ ኣባል ካልእ ሰልፊ እተንኾነ፡ ኣብቲ ብመርከል ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ ካልኣይ መርከል ተባሂሉ ክጽዋዕ ጀሚሩ'ሎ።

ቀዳማይ ናይ ወጻኢ ዑደቱ ድማ ናብ ፈረንሳን ናብታ መዲና ሕብረት ኣውሮጳ ዝኾነት ብራስለስን ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

እታ ፈላማ ኣብ 1990 ኣባል ባይቶ ክትከውን ዝበቕዐት ኣንገላ ማርከል፡ ኣብቲ ብቻንስለር ሄልመት ኮል ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ብኡንቡኡ'ያ ሚኒስተር ኮይና ተመዚዛ።

ንዕኡ ካብ ስልጣን ኣብ ምስንባት ድሕሪ ምብርካታ ኸኣ ኣብ 2000 መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ደሞክራሲ ኮይና።

ፈለማ ኣብ ሕዳር 2005 ድማ ቻንስለር ጀርመን ኮይና ተመሪጻ።

ድሕሪ 16 ዓመታት ከኣ ብወለንትኣ ኣብቲ ዝሓለፈ ምርጫ ከምዘይትወዳደር ብምሕባር፡ ስልጣና ኣረኪባ።