እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናይጀርያ: ክልተ ዝተባእሱ ደቂ-ሓወቦታት ብዘደንጹ ኩነታት ኢድ ሓድሕዶም ተቖራሪጾም ተባሂሉ
ኣብ ናይጀርያ ክልተ ቤተሰብ ምዃኖም ዝተነግረሎም ደቂ-ተባዕትዮ ድሕሪ ምብኣሶም፡ ኢድ ሓድሕዶም ከምዝተቖራረጹ ፖሊስ ሓቢሮም።
እቲ ዘደንጹ ፍጻመ ኣብ ሓንቲ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ዘሎ ዞባ ዮበ እትርከብ ኣልካሊ ዝተባህለት ቁሸት'ዩ ኣጋጢሙ።
ኣፈኛ ፖሊስ ናይቲ ዞባ፡ ዱንጉስ ኣብዱልካሪም ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ እቶም ክልተ መንእሰያት ብጎዞሞ ድሕሪ ዘካየድዎ ቃልሲ ሓሓደ ኢዶም ተቖራሪጾም።
እቶም ጸጋማይ ኢዶም ዝተቖረጹ መንእሰያት ክልቲኦም ደቂ 25 ዓመት እዮም።
ጠንቂ ናይቲ ባእሲ እንታይ ምዃኑ'ኳ ዛጊት እንተዘይተፈልጠ ምስ ሕርሻ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ዘንቀሎ ክኸውን ከምዝኽእል ፖሊስ ኣተንቢሆም።
ሰብመዚ'ቲ ከባቢ፡ ነቲ ዝተቖርጸ ኣእዳው ናብ ሆስፒታል ከምዝወሰድዎ ተፈሊጡ'ሎ።
እቶም ብኸቢድ ዝቖሰሉ ደቂ-ሓወቦታት ኣብ ሓደ ማእከል ጥዕና ጽኑዕ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
እቲ ዘገርምን ዘሕዝንን ኩነታት ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ናይጀርያ ስሒቡ'ሎ።