እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጂያን-ፔሬ ኣዳምስ፡ ብናይ ሓካይም ጌጋ ን39 ዓመታት ኣብ 'ኮማ' ዝጸንሐ ተጻዋታይ ሞይቱ
ን39 ዓመታት ውኒኡ ስሒቱ ዝጸንሐ ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጂያን-ፔሬ ኣዳምስ፡ ኣብ 73 ዓመቱ ዓሪፉ፡፡
ኣዳምስ ኣብ መጋቢት 1982 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ እዩ ናይ ብርኪ መጥባሕቲ ንምግባር ናብ ሆስፒታል ኣትዩ ነይሩ፤ ኮይኑ ግና ብምኽንያት ኣብቲ ዝተውሃቦ መደንዘዚ ዝተፈጠረ ጌጋ ናብ ውኒኡ እንከይተመለሰ ተሪፉ፡፡
ኣብ ሰኔጋል ዝተወለደ እቲ ተኸላኻላይ፡ ንፈረንሳዊት ጋንታ ኒይስ 140 ግዘ ዝተሰለፈ ኮይኑ፡ ንጋንታ ፓሪስ ሴንት-ጀርሜይን እውን ተጻዊቱ እዩ፡፡
ጋንታ ፒኤስጂ ብሞት እቲ ተጻዋታይ ዝተሰመዓ ሓዘን ገሊጻ ኣላ፡፡
84 ግዘ ተሰሊፉ ዝተጻወተላ ጋንታ ኒመስ እውን ‘‘ንቤተሰቡን ፈተውቱን’’ ጽንዓት ዝተመነየት ኮይና፡ ጋንታ ኒይስ ብተመሳሳሊ ብሞት እቲ ካብ 1972 ክሳብ 1976 (ኣኣ) ንፈረንሳ 22 ጽዋዓት (ዋንጫታት) ዘዕተረ ኣዳምስ ዝተሰመዓ ሓዘን ገሊጻ፡፡
ኣብታ ኣዳምስ ኣብ ናይ ብርኩ ጅማት ብዘጋጠሞ ጉድኣት ናብ ሆስፒታል ልዮን ዝኣተወላ መዓልቲ፡ መብዛሕተኦም ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ኣብ ኣድማ እዮም ነይሮም፡፡
ኮይኑ ግና በቲ ንሸሞንተ ሰባት ዝከታተል ዝነበረ በዓል ሞያ መደንዘዚ ተሓጊዙ መጥባሕቱ ቀጺሉ፡፡
እቲ ንኣዳምስ ዝከታተሎ ዝነበረ ተለማማዲ በዓል ሞያ እውን ‘‘ነቲ ብእምነት ዝተውሃበኒ ሓላፍነት ኣይተዋጻእኩን’’ ብምባል ዳሕራይ ናይ እምነት ቃል ሂቡ ነይሩ፡፡
ብሰንኪ እቲ ተለማማዲ ሓኪምን በዓል ሞያ መደንዘዝን ዝፈጸምዎም ጌጋታት ኣዳምስ ንናይ ልብን ሓንጎልን መጉዳእቲ ተቓሊዑ፡፡
እቶም ሰብ ሞያ ክሳብ እቲ ኣብ መፋርቕ 1990ታት ዝተውሃቦም ናይ ሓደ ወርሒ ናይ ስራሕ እገዳን 750 ዩሮ መቕጻዕትን፡ ዝሓተቶም ኣይነበረን፡፡
‘ዘደንቕ ፍቕሪ’
ድሕሪ ናይ 15 ኣዋርሕ ጻንሒት ካብ ሆስፒታል ዝተፋነወ ኣዳምስ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ በዓልቲ ቤቱ በርናደት ኣብ ገዝኡ ክተልዕሎ ጸኒሓ፡፡
እታ እትድነቕ በዓቲ ቤቱ ዋላ‘ኳ ህይወቱ ተስፋ ዝነበሮ እንተዘይኮነ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ነቲ ብህይወት ክጸንሕ ዝሓገዞ መሳርሒ ደው ክተብሎ ሓሲባ ኣይትፈልጥን፡፡
ንዝሓለፉ ኣርባዓ ዓመታት፡ ዳርጋ መዓልታዊ ክትከናኸኖ፣ ክዳን ክትቅይረሉን ምግቢ ክትሰርሓሉን ኣሕሊፋቶ፤ ህያብ ምሃብን ንዕኡ ምዝራብን እውን ደው ኣቢላ ኣይትፈልጥን፡፡
እንተኾነ ካብቲ ሓደ እዋን ኣዝዩ ዝድነቕን ዝኽበርን ተጻዋታይ ዝነበረ ኣዳምስ እትረኽቦ መልሲ ግን ስቕታ ጥራይ እዩ ነይሩ፡፡
ብርግጽ በርናደት ንሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝረሐቐትሉ እዋን ኣብ ኣዳምስ ናይ መንፈስ ምርባሽ ከምዘስተብሃሉ ሓካይም ተዛሪቦም ነይሮም፡፡
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ፒርስ ኤድዋርድስ፡ ኣብ 2016 ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኣዳምስ ተረኺቡ ንበርናደት ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፡ እቲ ነዚ ስቅያት ዘሳጠሖ ሆስፒታል ይቕረታ ከምዘይሓተታ ገሊጻትሉ ነይራ፡፡