እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታይዋን 19 ነፈርቲ ኲናት ቻይና ናብ ክሊ ምክልኻል ኣየራ ከም ዝኣተዋ ገሊጻ
ታይዋን ብቐዳም ብዙሓት ነፈርቲ ኲናት ቻይና ሃንደበት ናብ ክሊ ምክልኻል ኣየራ ከም ዝኣተዋ ሓቢራ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዋጋእትን ኒኩለራዊ ቦምባታት ክስከማ ዝኽእላ ዝርከበአን 19 ነፈርቲ ኲናት ናብ ክሊ ምክልኻል ኣየሩ (ADIZ) ከም ዝኣተዋ ኣፍሊጡ።
ሓይሊ ኣየር ቻይና ኣብ ከባቢ እታ ደሴት ብዝገብሮ ምንቅስቓሳት መንግስቲ ታይዋን ተደጋጋሚ ጥርዓናት ከቕርብ ጸኒሑ ኣሎ።
ቻይና ነታ ዲሞክራስያዊት ታይዋን ከም ዝተነጸለት ግዝኣታ ክትቖጽራ እንከላ፡ ታይዋን ግና ርእሳ ዝኸኣለት ልኡላዊት ሃገር ምዃና እያ ትኣምን።
ኣብቲ ብሰንበት ዝተፈጸመ ተልእኾ ሓይሊ ኣየር ቻይና ኣርባዕት ኤች-6 ዝተሰመያ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ክስከማ ዝኽእላን ጸረ ሳብማሪን ነፈርትን ከም ዝርከብኦ ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ገሊጹ።
እቲ ሚኒስትሪ ዝዘርግሖ መስመር በረራ እተን ነፈርቲ ዘርኢ ካርታ፡ እቲ በረራ ካብ ናብ ገማግም ታይዋን ናብ ገማግም ቻይና ኣብ ዝቐርብ ከባቢ ደሴት ፕራታስ ምንባሩ የረድእ።
ነተን ናይ ነፈርቲ ኲናት ቻይና ንምርሓቕ ስርዓተ ሚሳይል ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለን ናይ ውግእ ነፈርትን ከም ዝተዋፈራን እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።
ቻይና ዛጊት ዝሃበቶ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።
ቻይና ብታይዋን ንዝወሃብ ርእይቶታት ተቓውሞኣ ንምርኣይ ብዙሕ እዋን ከምዚ ዓይነት ተልእኾታት ከም እተካይድ ይግለጽ።
ኣብ ወርሒ ሰነ 18 ወተሃደራዊ ነፈርቲ ናብቲ ክሊ ምክልኻል ኣየር ሃንደበታዊ ወራር ምክያደን ታይዋን ገሊጻ ነይራ።
ጠንቂ ናይዚ ዳሕረዋይ ተልእኾ ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።
እንተኾነ ግና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን፡ ካብ ቻይና ዝመጽእ ስግኣታት ይዓቢ ምህላውን ሰራዊት ቻይና ንሓይልታት ታይዋን “ከልምሶም” ከም ዝኽእልን ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ቻይናን ታይዋንን መሰረታዊ ሓቅታት
ቻይናን ታይዋንን ኲናት ሓድሕድ ቻይና ድሕሪ ምዝዛሙ ካብ 1949 ጀሚሮም እዮም ነናቶም መንግስቲ መስሪቶም። ቤይጂን ንኣህጉራዊ ንጥፈታት ታይዋን ንምድራት ብዙሕ ፈቲና እያ። ክልቲአን ኣብ ዞባ ፓሲፊክ ጽልውአን ንምዕባይ ክወዳደራ ጸኒሐን ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲአን ዘሎ ምፍጣጥ ክዓዝዝ እንከሎ ቤይጂንግ ነታ ደሴት ንምምላስ ሓይሊ ምጥቃም ከም ኣማራጺ ክትወስዶ ከም እትኽእል ትገልጽ እያ።
ወላ’ኳ ታይዋን ብሒደት ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ሃገራት ጥራይ ኣፍልጦ እንተረኸበት፡ እቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝምረጽ መንግስታ ግና ምስ ብዙሓት ሃገራት ሓያል ንግዳውን ዘይወግዓውን ዝምድናታት ኣለዎ።
ከም መብዛሕትአን ሃገራት፡ ኣመሪካ ምስ ታይዋን ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና የብላን፤ እንተኾነ ግና እታ ደሴት ርእሳ ክትከላኸል ኣመሪካ ኣድላዪ ሓገዝ ክትገብረላ ሕጊ ኣመሪካ ይጠልብ እዩ።