ዩክሬን፡ ካብ 5000 ክሳብ 8000 ሬሳታት ዝሓዘ 29 ጋህስታት ተረኺቡ

እቲ ጃምላዊ መቓበር ዝተረኸበሉ ቦታ

ምንጪ ስእሊ, Aleksander Babich

ኣብ ዩክሬን ኣብ እዋን መሪሕነት ጆሴፍ ስታሊን ከምዝተፈጸመ ዝተኣመነ ዝዓበየ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ።

እቲ ካብ ከተማ ኦዴሳ ንሸነክ ደቡብ ዝተረኸበ 29 ጋህስታት ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 8 ሽሕ ሬሳታት ከምዝተረኸበ፡ እቶም ነቲ ጋህስታት ዝዳህሰሱ ተመራመርቲ ገሊጾም።

እቲ ጋህስታት ኣብ መፋርቕ 1930ታት ሰባት ዝተቐበርሉ ከምዝኾነ እዩ ተነጊሩ ዘሎ፤ መዓርፎ ነፈርቲ ንምስፋሕ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ኵዕታ ድማ'ዩ ተረኺቡ።

ጆሴፍ ስታሊን ንሕብረት ሶቬት ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን ኣማኢት ኣሽሓት ዩክሬናውያን ከምዝተቐተሉ'ዩ ዝንገር።

ሓላፊ ዞባዊ ቤተ መዘክር ዩክሬን ሰርጌ ጋትስላዩክ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ኣስክሬኖም ዝተረኸበ ሰባት ኣብ 1930ታት ብወተሃደራት ሕብረት ሶቬት ዝተቐተሉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እዩ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ቕትለታት ክፍጸም እንከሎ ዝነበረ ሰነዳት ብሩስያ ስለዝተሓዝ መንነት ናይቶም መወትቲ ክፍለጥ ከምዘይክኣል እዩ ገሊጹ።

ብመሰረት ካብ ናይ ዩክሬን መርበብ ሓበሬታ 'ዩክሬንፎርም' ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ካብ 1938 ክሳብ 1941 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ኦዱሳ ጥራይ 8600 ሰባት ብፖሊስ ሕብረት ሶቬት ንሞት ተፈሪዶም ከምዝተቐተሉ ይግለጽ።

ኢንስቲቱት ሃገራዊ ቤተ መዘክር ዩክሬን፡ ቁጽሪ ናይቶም ሬስኦም ዝተረኸበ ሰባት ንምግማት ኣጸጋሚ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እንተኾነ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ጃምላዊ መቓብራት ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተረኸቡ፡ ኣብ ዩክሬን እቲ ዝዓበየ ጃምላዊ መቓብር ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ ከተማ ከይቭ ዝርከብ ጃምላዊ መቓብር

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጥቓ ከተማ ከይቭ ዝርከብ ጃምላዊ መቓብር

ሓደ ካብ ናይ ታሪኽ ተመራመርትን ኣብ ምድህሳስ እቲ ጃምላዊ መቓብራትን ዝሰርሐ ኣሌክሳንደር ባቢች ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝጽሓፎ፡ እቲ ኩዕታ ስለዘይተዛዘመ ቁጽሪ ናይ ኣስክሬናት ካብዚ ተባሂሊ ዘሎ ክዛይድ ከምዝኽል ገሊጹ ኣሎ።

ተመራመርቲ ታሪኽ ዩክሬን ኣብ እዋን ምሕደራ ጆሴፍ ስታሊን ኣብ 1930ታት ኣማኢት ኣሽሓት ዩክሬናውያን ከምዝተረሸኑ እዮም ዝገልጹ።

ካብ ከተማ ከይቭ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ባይክቭንያ ኣብ ዝብሃል ልዕሊ 200 ሽሕ ናይ ፖሎሪካ እሱራት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እዩ ዝገልጽ።

ኣብ እዋን ጆሴፍ ስታሊን ካብ 1932 ክሳብ 1933 እውን ሚልዮናት ዩክሬናውያን ብሰንኪ ጥምየት ከምዝሞቱ ክግለጽ እንከሎ፡ ዩክሬናውያን ተመራመርቲ ታሪኽ መንግስቲ ሕብረት ሶቬት ነቲ ጥምየት ከም መሳርሒ ፖሎቲካ ብምጥቃም ከም መርወዪ ጃምላዊ ህልቂት ከምዝተጠቐመሉ እዮም ዝገልጹ፡ ሩስያ ግን ነዚ ክሲ እዚ ትነጽጎ'ያ።