"ነቶም ምሳና ዘለዉ ዓማዊልና ሒዝና እንቕጽለሉ ስትራቴጂ ሓንጺጽና ኢና"- ኢትዮ-ቴሌኮም

ምንጪ ስእሊ, Ethio telecom
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘፈር ቴሌኮም ንሰብ ሃብቲ ወጻእተኛታት ክፉት ከም ዝገብር ብዝወሰኖ መሰረት ክልተ ፍቓዳት ንጨረታ ኣቕሪቡ ነይሩ።
18 ሕዳር 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] በዓል መዚ ኮምዩኒኬሽን ኣብ'ቲ ዓውዲ ቴሌኮም ናይ ምስታፍ ድሌት ንዘለዎም ኩባንያታት ጨረታ ኣካይዱ ድማ 16 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም ክልተ ተዓወትቲ ዝበሎም ወግዓዊ ገይሩ።
ብዚ መሰረት 'ግሎባል ፓርትነርሽፕ ፎር ኢትዮጵያ' ዝተባህለ ጥምረት ዝተፈላለዩ ኩባንያታት 850 ሚልዮን ዶላር ብምቕራብ ተዓዋታይ ኮይኑ፤ እቲ ካልኣይ ፍቓድ ግን ከይተዋህበ ተሪፉ።
ናይ ኬንያ ሳፋሪኮም፣ ናይ ዩናይትድ ኪንግደም ቮዳፎን ከምኡ'ውን ሲዲሲ ግሩፕ፣ ናይ ደቡብ አፍሪቃ ቮዳኮም፣ ናይ ጃፓን ሱሚቶሞ ከምኡ'ውን ዲኤፍሲ ኣባላት እቲ ዝሰዓረ ጥምረት'ዮም።
ብብዝሒ ህዝባ ካብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ፡ ኢትዮ-ቴሌኮም መንግስቲ ብዘይ ተወዳዳሪ ብሒቱዎ ጸኒሑ።
እቲ ዝሰዓረ ጥሙር ጉጅለ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ልዕሊ 750 ሚልዮን ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ መረዳእታት ይሕብሩ።
ኣብ'ታ ልዕሊ 110 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ድማ ሰፊሕ ዕዳጋ ከም ዝረክብ ዝግመት ኮይኑ ኣዝዮም ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ከተኣታቱ ተስፋ ይግበረሉ።
እንተኾነ፡ እቲ ብዙሕ ልምድን ዘመናዊ ቴክኖሎጅን ሒዙ ክኣቱ ትጽቢት ዝግበረሉ ጥምረት ንኢትዮ ቴሌኮም ስግኣት'ዶ ሒዙ ይመጽእ ይኸውን ዝብል ሕቶ ድማ የልዕል ኣሎ።

ምስ ቢቢሲ ሓጺር ጻንሒት ዝገበረት ዋና ፈጻሚት ስራሕ ፍረህይወት ታምሩ ምስ'ቲ ኢትዮ-ቴሌኮም ሒዝዎ ዝጸንሐ ብዝሒ ዓማዊል እንትረአ ናይቲ ጥምረት ምምጻእ ብዙሕ ከም ዘየስግእ እያ ትዛረብ።
"ናይ ባዕልና ስትራተረጂ ቀሪጽና ኢና ንንቀሳቀሽ። እቲ ናብ ስራሕ ዝኣቱ ግልጋሎት ሓድሽ ምዃኑን ሓድሽ ስትራቴጂ ሒዙ ከም ዝመጽእን ግልጺ እዩ። ንሕና ድማ፡ ነቶም ኣብ ኢድና ዘለዉ ዓማዊልና ሒዝና እንቕጽለሉ ስትራቴጂ ነዲፍና ኢና" ኢላ።
ዛጊድ ንሰለስተ ዓመት ብዝተቐረጸ ስትራቴጂ፡ ኢትዮ ቴሌኮም ብዝሒ ዓማዊል ከም ዝወሰኸን ሽፋኑ ከም ዝሰፈሐን ተዛሪባ።
"እቶም ዝመጽኡ ዘለዉ ኩባንያታት ዓᎁቕ ልምድን ክእለትን ዘለዎም እንተኾኑ'ኳ፡ ኣብ'ቲ ዓውዲ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዘሎ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ እኹል ሓበሬታ ኣለና እዩ። ስትራቴጂና ድማ ንሱ'ውን ኣብ ግምት ዘእተወን ዝመርመረን እዩ" ክትብል ወሲኻ።
ኢትዮ ቴሌኮም ኣብዚ ሕዚ እዋን 97 ሚኢታውኢት ተበጻሕነትን 56 ሚልዮን ተጠቀምትን ከም ዘለውዎ ይዝረብ።
ንዓማዊሉ ንምሕጓስ ዘኽእሉ ናይ ዕዳጋ ምስፍፋሕ ይገብር ከም ዘሎ ድማ እታ ፈጻሚት ስራሕ ትዛረብ።
ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ክንድዚ ዓይነት ብዝሒ ተጠቃሚ ዝረኽቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ተዋፊሮም ከም ዝኾነ እትዛረብ እታ ሓላፊት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘሎ ሰፊሕ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ድማ ተወዳደሪ ከም ዝገብሮ ትዛረብ።
እዚ ግሎባል ፓርትነርሽፕ ፎር ኢትዮጵያ ዝተባህለ ኮንሰርትዮም [ጥምረት ኩባንያ] ጨረታ ኣብ ዝሰዓረሉ እዋን ሚኒስትር ገንዘብ'ታ ሃገር ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ፡ "ነፍሲ ወከፍ ኢትዮጵያዊ ጽሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ብዓቕሙ ንክረክብ ወሳኒ ስጉምቲ" ከም ዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ።
ዳይሬክተር ፌርፋክስ ኣፍሪካ ግሎባል፡ በዓል ሞያ ቁጠባ ኣቶ ዘመዴነህ ንጋቱ በወገኑ እዚ ውሳነ ጽሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ብዝተመጣጠነ ዋጋ ክረክብ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ ሰፊሕ ናይ ስራሕ ዕድል ከም ዝፈጥር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ምጅማር ኣገልግሎት- ቴሌ ብር
ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ኬንያ ቅድሚ 14 ዓመታት ዝጀመረቶ 'ኤምፔሳ' [MPESA] ዝተባህለ ስርዓት ገንዘብ ሞባይል፡ ኣብዚ እዋን 72 ሚኢታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ከም ዝጥቀመሉ ሓበሬታ ቮክስ ዝተባህለ ድረ ገጽ የመልክት።
ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣገልግሎት ዝህብ 'ኤምፔሳ' 42 ሚልዮን ንጡፋት ዓማዊልን 400 ሽሕ ወኪላትን ኣለዉዎ፡፡
50 ሚኢታዊት ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምህርቲ (GDP) ኬንያ በዚ ስርዓት ኣቢሉ ይንቀሳቐስ።
ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኡጋንዳ ናይ ባንኪ ሒሳብ ዘለዎም 11 ሚኢታዊት ኮይኑ ኤምፔሳ ዝጥቀም ህዝቢ ግን ልዕሊ 42 ሚኢታዊት እዩ።
ስለዚ ኣብዘን ሃገራት ድሕሪ ምትዕድዳግ 'ስልኪ ቁጽርኺ/ኻ ንገርኒ/ንገረኒ' ምባል ዝተለመደ እዩ፡፡
ብዕለት 3 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ወግዓዊ ዝኾነ ቴሌብር እውን ኣብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ፡፡
ግሎባል ፓርትነርሽፕ ፎር ኢትዮጵያ ድማ ናብ ኢትዮጵያ እንትመጽእ ሓድሽ ተመሳሳሊ ስርዓት ሒዙ ከም ዝመጽእ ይግመት።
ኢትዮ-ቴሌኮም ነዚ ትጽቢት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ዝመስል ነዚ ኣገልግሎት ቀልጢፉ ናብ ዕዳጋ ሒዙ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ፋይናንስ ብባንክን ተመሳሰልቲ ትካላትን ጥራሕ እናተውሃበ ከም ዝጸንሐ እትገልጽ ፍረህይወት ቅድም ክብል ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንምስታፍ ዘኽእሎ ሕጋዊ መስርሕ ኣይነበረን ኢላ።
''ዋላ'ኳ ነቲ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ስርዓት ቴክኖሎጂ እንተተዘርገሐ፡ ኢትዮ-ቴሌኮም ነዚ ኣገልግሎት ክህብ ዘኽእሎ ሕጋዊ መስርሕ ንምምሕያሽ ዝኸድናዮ ርሕቐት ግን ነዊሕ፣ ኣጸጋምን ፈታንን ነይሩ'' ክትብል ተዛሪባ ነይራ።
ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ''ውረድ ደይብ'' ግና እቲ ትካል ነዚ ኣገልግሎት ንክህብ ኣብቲ ዝተጣየሸሉ ሕጊ ምምሕያሽ ምስ ተገበረን ካብ ብሄራዊ ባንኪ ፍቓድ ምስ ረኸበን እቲ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ወግዓዊ ከም ዝተገበረ ሓቢራ።
ኩባንያኣ፡ ኣብ ቀጻሊ ሐሙሽተ ዓመታት ካብ 40ክሳብ 50 ናይታ ሃገር ጂዲፒ ብቴሌብር ክንቀሳቐሽ ዓሊሙ ይሰርሕ ከም ዘሎ ተዛሪባ።
"እቲ መደብ ዕላዊ ምስ ገበርና፡ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ናይቲ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ብዝሒ 8.5 ሚልዮን በጺሑ፤ ብዝሒ ወኪላት ድማ ልዕሊ 18 ሽሕ ኮይኖም እዚ ንዓና ዓብዪ ዓወት እዩ" ኢላ።
ከምኡ ድማ፡ ኣስታት 3643 ትካላት ንግዲ ዝኾነ ክፍሊት ገንዘብ በዚ መገዲ ክጥቀሙ ተስማሚዖም ናብ ስራሕ ኣትዮም ከም ዘለዉ ትዛረብ።
ንሳ፡ እቶም ዓለም ለኸ ኩባንያታት ናብ ኢትዮጵያ ምምጸኦም እቲ ዓውዲ ንምዝማን ኣዝዩ ጠቓሚ ከም ዝኾነ እያ ትዛረብ።
ንቕድሚት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዓበይቲ ፈተናታት ንምስጋር ግና ሓደሽቲ ስትራቴጂታት ሓንጺጽኻ ንምንቅስቓስ ሙሉእ ምድላዉ ከም ዝተገብረ ኣንፊታ ኣላ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







