ኢንዳስትሪ ሙዚቃ፡ ሪሃና ብወግዒ ኣብ ዝርዝር ቢልዮነራት ተሰሪዓ

ድምጻዊት ሪሃና፡ ኣብ ዓለም እታ ዝሃብተመት ቢልዮነር ሙዚቀኛ ምዃና ፎርበስ ብወግዒ ሓቢሩ።

ሪሃና ዘጥረየቶ ሃብቲ ካብ ፈንቲ ቢዩቲ ካብ ዝተባህለ መመላኽዒ እያ ረኺባቶ።

እታ 1.7 ቢልዮን ዶላር ዝወነነት ኮኸብ ሙዚቃ ፖፕ ሪሃና፡ ብገምጋም እቲ 1.4 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ካብቲ ናይ ጽባቐ ትካላ ዝተረኽበ እዩ።

እቲ ዝተረፈ 270 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ እቶታ ከኣ፡ ካብ መሸጣ ክዳውንትን ካብ ፍርያት ሙዚቃዊ ስርሓታን ዝረኸበቶ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ሪሓና ነታ ኣብ ዓለም ዝሃብተመት ናይ ሚድያ ሰብ ንኦፕራ ዊንፍረይ ካልአይታ ኮይና ኣላ።

ሪሓና እቲ ናይ ብሓቂ ስማ "ሮቢን ፈንቲይ" እዩ።

ስለ ዝኾነ ከኣ እያ ኣብ 2017 በቲ ሓቀኛ ሽማ፡ ምስ ኩባንያ ኤልቭኤምኤች እቲ ናይ ክዳውንቲ መሸጣ ትካል ኣቚማቶ።

ፈለማ፡ ንኵለን ኣንስቲ ዝኸውን ክዳውንቲ ክትሸይጥ እያ ተበጊሳ።

ብድሕሪኡ ግን፡ ኣብ ዕዳጋ ዝወዳደር 40 ዝኸውን "ፈንቲይ መንቲይ" ዝተሰምየ ዓይነታት መመላኽዒ ኣፍርያ ብምዝርጋሕ ዕዳጋኣ ክብ ኣቢላ።

ስርሓታ ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ ጥራይ ልዕሊ 550 ሚልዮን ዶላር ዓመታዊ ኣታዊ ከም ዘምጸኣላ እቲ LVMH ዝተባህለ መሻርኽታ ኩባንያ ገሊጹ።

ይኹን እምበር፡ ኵሉ ሪሓና እተካይዶ ንግዳዊ ንጥፈታት ዕውት እዩ ማለት ኣይኰነን።

እዛ ጓል 33 ዓመት ድምጻዊት፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ምህርቲ ምፍራያ ነቲ ጽቡቕ ስም ዘለዎ ፌንቲይ ፋሽን ንክትዓጽዎ ምስ ኤልቪኤምኤች ተሰማሚዓ ኣላ።

እታ ድምጻዊት ዛጊት ልዕሊ 250 ሚልዮን ቅዳሕ ሲዲ ሸይጣ ኣላ። ካብ 2016 ንድሓር ግን ኣብ ስቱድዮ ካልእ ኣልበም ኣየፍረየትን።

ይኹን እምበር: ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስቲ ዓርካ ራፐር ኤኣፕሮኪ (A$AP Rocky) ናይ ቪድዮ ሙዚቃ ስእልታት ክትለዓል ተራእያ ኣላ።