ኣይስላንድ: ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ምስራሕ ‘ኣዝዩ ውጽኢታዊ’ዩ’ ተባሂሉ

ኣብ ኣይስላንድ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ከምዝሰርሑ ዝተገበረ ፈተነ 'ኣዝዩ ውጽኢታዊ' ኮይኑ ከምዝተረኸበ ዝተገበረ መጽናዕቲ ኣረዲኡ።

እቲ ፈተነ ካብ 2015 ክሳብ 2019 ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ዋላ እናሰርሑ ደሞዞም ግና ማዕረ እቲ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ መዓልታት እናሰርሑ ዝረኽብዎ ዝነበሩ እዩ ተዋሂብዎም።

ብመሰረት እቲ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝበዝሓ ትካላት ፍርያምነት ክዓቢ እንከሎ ኣብ ገለ ከኣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ከምዝቐጸለ ይሕብር።

ኣብ ስጳኛን ኣብ ኒውዝላንድን'ውን ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ክሰርሑ ዘኽእል ፈተነ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ኣይስላንድ ብምምሕዳር ከተማ ረይጃበቮክን ማእከላይ መንግስትን ዝቕለስ ብ2,500 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት'ዩ እቲ ፈተነ ተኻይዱ።

እቲ ቁጽሪ እዚ ኸኣ ሓደ ሚኢታዊት ካብ ጠቅላላ ኣብ ኣይስላንድ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ከምዝውክል እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

መብዛሕትኦም ካብዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን 40 ሰዓታትን ልዕሊኡን ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣብ ሰሙን ካብ 35 ክሳብ 36 ሰዓታት ክንዲ ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልታት ወይ ልዕሊኡ ኸኣ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ከምዝሰርሑ እዩ ተገይሩ።

እቲ ብ ዩኬይ ቲንክ ታንክን ኣውቶኖሚን ኣልዳ ዝተብሃለ ትካልን ዝተኻየደ መጽናዕቲ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ስርሖም ኣዝዮም ንጥፈት ከምዘርኣዩ እዩ ዝሕብር።

ብመሰረት እዚ ዝተገበረ መጽናዕቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣይስላንድ 86 ሚኢታዎት ካብ ትካላት፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ሰሙን ኣብርባዕተ መዓልታት ጥራይ ክሰርሑ ንኽጅምሩ ልዝብ ጀሚሩ ምህላዉ ተገሊጹ ኣሎ።

ሰራሕተኛታት ዝውሓደ ሰዓታት ክሰርሑ ምስ ጀመሩ፡ ውሑድ ጸቅጢ ከምዝርኣዮምን ጥዕናዊ ኩነታቶም ብርኡይ ከምዝመሐየሸን'ዩ እቲ መጽናዕቲ ዝገልጽ።

ላዕለዋይ ዳይሬክተር እቲ መጽናዕቲ ዊል ስትሮንጅ "እዚ መጽናዕቲ ኣብ ሰሙን ዝወሓደ መዓልታት ምስራሕን ውጽኢቱን ንምፍላጥ ዝተኻየደ ዝዓበየ መጽናዕቲ እዩ፡ እቲ ዝተረኸቦ ውጽኢት ኸኣ ኣዝኡ ኣዕጋቢ'ዩ" ኢሉ።

ሃገረ ስጳኛ'ውን ምስ ኩነታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣተሓሒዛ፡ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ ምስራሕ ዝከኣል እንተኾይኑ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ትርከብ።

ኣብ ኒውዝላንድ'ውን ብተመሳሳሊ ሰራሕተኛታት ደሞዞም ከይጎደለ ሰዓታት ስርሖም ብ20 ሚኢታዊት ከምዝጎድል ገይርካ ውጽኢታውነቶም ንምፍላጥ ፈተነ ይካየድ ኣሎ።