እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ 'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቀረባ እዋን ክወጽእ እዩ' ኢላ
ኣብ ትግራይ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ዘለው ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ “ቀረባ እዋን” ክወጽኡ ምዃኖም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቡ።
ኣምባሳደር ታዬ ኣጽቀ ስላሴ እቶም ወተሃደራት ዝወጽኡሉ ግዜ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ገለ ቴክኒካውን ኣገባባውን ጉዳያት" ምስ ተጻፈፉ ከም ዝወጽኡ ምሕባሩ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ከም ዝርእዮ ዝገለጸ እቲ ኣምባሳደር "ኤርትራውያን'ውን ኣብቲ ጉዳይ ንጹራት ምዃኖም" ገሊጹ ይብል እቲ ጸብጻብ።
ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኩክ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ጎንጺ እንተዘይኣቋሪጹን ወተሃደራት ኤርትራ እንተዘይወጽዮምን እቲ ኣብ 1984 ዘጋጠመ ኣዕናዊ ዓጸቦ "ዳግማይ እንተተኸሰተ ዝኾነ ሰብ ክግረም የብሉን" ድሕሪ ምባሉ እዩ እቲ ኣምባሳደር ንምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራ ዝምልከት ርእይቶ ዝሃበ።
ማርክ ሎውኩክ ብሰሉስ ኣብ ዕጽው ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከቕርብ እንከሎ፤ ዝለሓዄ ቅዳሕ ሰነዳት እቲ ጸብጻብ ቢቢሲ ርእይዎ ኣሎ።
እቲ ሓላፊ: ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ዘተገመተ ንላዕሊ ዝኸፍአ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ኣሎ ብምባል ብዘይ ዝኾነ ጥርጣረ እዩ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዓጸቦ ምህላው ንዝገልጽ ጸብጻብ ይነጽጎ።
"ጾታዊ ዓመጽ ብመደብ ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን ንምሽባርን ይውዕል ኣሎ። ወተሃደራት ኤርትራ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀሙ ኣለው። ዝተፈናቐሉ ሰባት ይግፈፉ፡ ይህረሙን ምፍርራሕ የጋጥሞምን ኣሎ" ኢሉ።
"ሰራሕተኛታት ረድኤት ተቐቲሎም፡ መርመራ ተኻይድሎም፡ ተሃሪሞም፡ ናብቲ ብጥሜት ዝሳቐ ረድኤት ከየብጽሑ ተኸልኪሎምን ናብቲ ስፍራ ደጊሞም ከይመጹ ተነጊሮምን እዮም። [ግዝያዊ] ምምሕዳር ትግራይ ብጥሜት ዝሞቱ ምህላዎም ገሊጹ እዩ" ክብል ሎውኮክ ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተኻየደ ዳህሳስ ውሕስነት መግቢ ዝወጸ "ኣዕናዊ" ኩነታት ምህላው ዝገልጽ ጸብጻብ: ንክብደት እቲ ኩነታት ኣትሒቱ ዝገመተ ክኸውን ከም ዝኽእል'ውን ገሊጹ።
መንእሰያትን ንኡሳትን ብለይቲ ከም ዝተወስዱን: ገሊኦም ከም ዝተቐትሉን ዝገልጽ ሓበሬታታት ምህላው ዝሓበረ እቲ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ "ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ተሓተትቲ ምዃኖም ንጹር እዩ" ክብል ከሲሱ። ኤርትራ ግን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓይልታታ ዝቐርብ ክስታት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ክልል ትግራይ: በቲ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ትግራይን ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ከቢድ ዕንወት በጺሕዋ ኣሎ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክቕተሉ እንከለው ከባቢ 1.7 ሚልዮን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣለው።
ኣብቲ ልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዘይሕጋዊ መቕተልትን ዝርከብዎም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ይግለጽ።