እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዙር ርዋንዳ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መትከል እዮብ ብጫ ማልያ ተረኪቡ
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሓምሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቢ ኤንዲ ቢ ቦይሉ ኣላን ነቲ ካብ ንያንጋታረ ናብ ኪጋሊ ዝዝርጋሕ 149.3 ኪሎ ሜትር ብ3 ሰዓት፡ 28 ደቂቕን 35 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ምስ ጋንታ ተረንጋኑ ዝወዳደር ኤርትራዊ መትከል እዮብ ክልተ ካልኢት ድሒሩ ሳልሳይ ኮይኑ ኣትዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሴላ ወልደሚካኤል'ውን ዓስራይ ኮይኑ ውድድሩ ብምዝዛም፡ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቲ ዝበለጸ ዓወት ኣመዝጊቡ።
መትከል፡ በዚ ሎሚ ዘመዝገቦ ህጡር ዓወት ተሓጊዙ ነቲ 680.9 ኪሎሜትር ዝሸፈነ ሓሙሽተ መድረኻት ብ16 ሰዓትን፡ 49 ደቂቕን 5 ካልኢትን ብምዝዛም ብጫ ማልያ ካብ ተቐዳዳማይ ጋንታ መደሊን፡ ሳንቸዝ ቨርጋራ ተረኪቡ ኣሎ።
ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ፡ ኤርትራዊ ናሆም ዘርኣይ ካብ መትከል እዮብ 18 ካልኢት ድሒሩ ኣብ መበል ሻምናይ ተርታ ተሰሪዑ ኣሎ።
ኣብዚ ሎሚ ዝኻየደ ሓምሻይ መድረኽ ናሆም ዘርኣይ መበል 12፡ መሓሪ ተወልደ 29፡ ቶማስ ጎይትኦም ድማ 32 ብምዃን ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ።
መትከል እዮብ ኣብ 2017 ዙር ርዋንዳ ምስ ዳይመንሽን ዳታ ብምዃን፡ ካልኣይ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር።
ተቐዳዳመቲ ብሕጂ ተሪፍዎም ዘሎ ሓሙሽተ መድረኻት
ሻድሻይ መድረኽ፡ ካብ ኪጋሊ ናብ ማውንት ኪጋሊ 152.6 ኪሎ ሜትር
ሻውዓይ መድረኽ፡ ኣብ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4.5 ኪሎ ሜትር ዝካየድ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር
ሻምናይን ናይ መወዳእታን መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝካየድ ናይ 75.3 ኪሎ ሜትር።