እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓደጋ ምኻድ ጥንሲ ኣብ ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ዝያዳ ከምዘጋጥም መጽናዕቲ ኣመልኪቱ
ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ካብ ጸዓዱ ብዝዛየደ ንሓደጋ ምኻድ ጥንሲ ዝተቓልዓ ምዃነን መጽናዕቲ ሓቢሩ።
ካብ ሸውዓተ ሃገራት ኣብ ዝተመረጹ 4.6 ሚልዮን ጥንስታት ዝተኻየደ ዳህሳስ ከምዘመልክቶ ሓደጋ ምኻድ ጥንሲ ብ43 ሚኢታዊት ኣብ ጸለምቲ ከምዝዛይድ ኣመልኪቱ።
ስለዝኾነ ድማ ደቂኣንስትዮ ኣብ ፈላማይ ጥንሰን ምኻድ እንተጋጢምወን ሓገዝ ሰብሞያ ሕክምና ክረኽባ ይግባእ ተባሂሉ።
ኣብዚ እዋን ጥኑሳት ብተኸታታሊ ንሰለስተ ጊዜ ምኻድ እንተጋጢምወን ጥራይ እዩ ንፍሉይ ክትትልን ማዕዳን ናብ መወከሲ ክሊኒካት ዝለኣኻ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከምዝሓበሮ ብምብርዓን ጽንሲ ዝሳቐያ ደቂኣንስት ዝኾነ ይኹን ዓሌታዊ ድሕረባይታ ይሃልወን፡ ንኸም ምርጋእ ደም፣ ሕማም ልቢን ቕዛነትን ዝበሉ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ጸገማት ጥዕና ተቓላዕቲ እየን።
ዶሪን ቶምፕሰን-ኣዶ ሸውዓተ ጊዜ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጠማ ኣደ እያ። “ንፈለማ እዋን ምስጠነስኩ ኣዝየ ሕጉስቲ ነይረ” ትብል።
“ንመሓዙተይን ቤተሰበይን ነጊረዮም። ንውሉደይ ዝኸውን ስም ኣብ ምምራጽን ንድምቀት ‘ቤቢ ሻወርን’ ድማ እጭነቕ ነይረ” ክትብል ድማ ወሲኻ ትገልጽ።
እንተኾነ ዶሪን ነፍሰጾር ምዃና ካብ እትፈልጥ ኣብ ካልኣይ ወርሓ መድመይቲ ክረኣያ ጀሚሩ፤ ስዒቡ ድማ ነቲ ጥንሲ ስኢናቶ።
“ምንጻል ጥንሲ ዝተለመደ ምዃኑ ሰሚዕኽን ትኾና ኢኽን፤ ግን ከኣ ኣባይ ከጋጥም ይኽእል’ዩ ኢልክን ገሚትክን ኣይትፈልጣን” ብምባል ካብ ተሞክሮኣ ትዛረብ።
ብ2017 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኤሪለ ዝተበሃለት ቆልዓ ዝረኸበት ዶሪን ነቲ ቀዳማይ ጥንሲ ብሓደጋ ምስሰኣነቶ “መሊስኪ ፈትኒ” ዝብል ማዕዳ ከምዝተወሃባ ትዝክር።
ኣብ ሳልሳይ ሓደጋ ምኻድ ጥንሲ ምስበጽሐት ግን ነዚ ብዝምልከት ምኽሪ ሞያውያን ናብ ዝወሃበሉ ክሊኒክ ክትኸይድ ተነጊርዋ፤ ግን ከኣ ንምንታይ ብተደጋጋሚ ምንጻል ከምዘጋጠማ ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።
ሓደጋ ምንጻል ጥንሲ ክውስኽ ዝገብሩ ምኽንያታት እንታይ እዮም?
· ትሕቲ 20 ወይ ልዕሊ 40 ዓመት ምዃን
· ቅድም ክብል ምንጻል ኣጋጢሙ እንተነይሩ
· ትሕቲ ወይ ልዕሊ ክብደት ዝኾነ ሰብነት ምህላው
· ነዊሕ ሰዓታት ምስራሕን ኣብ ናይ ምሸት ፈረቓ ስራሕ ምስራሕን
· ጸሊም ምዃን
· ሽጋራ ምትካኽ
· ዝለዓለ መጠን ኣልኮል ምውሳድ
እንታይ ዓይነት ደገፍ/ሓገዝ የድልይ?
እቲ መጽናዕቲ ዝስዕቡ ማዕዳታት ኣቐሚጡ’ሎ፡
· ቅድሚ ጥንሲ ማለት ደቂኣንስትዮ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኮይነን ክጠንሳ ከምዘለወን ዝወሃብ ምኽሪ
· ካብ ምጅማር ጥንሲ ጀሚሩ ብቐጻሊ ዝግበር ናይ ኣልትራሳውንድ ምርመራን ሓገዝን
· ንቕርጺ ማህጸን ንምፍላጥ ኣልትራሳውንድ ጎሎ ምግባር
· ናይ ሆርሞን ክትትል ምግባር
· ሓደጋ ምርጋእ ደም ንምቁጽጻር ከም ክታበት ኣስፕሪንን ሄፓሪንን ምውሳድ
· ነተን ኣብ ፈላሞት እዋናት ጥንሲ መድመይቲ ዘጋጥመን ነብሰጾራት ፕሮጀስትሮን ክወስዳ ምግባር
· ምርመራን ክንክንን ንድኹም ኣፍ/ክሳድ ማህጸን
ኣብቲ መጽናዕቲ ከምዝተሓበረ ጸለምቲ ካብ ጸዓዱ ብዝዛየደ ንኻልኣይ ዓይነት [‘ታይፕ 2’] ሕማም ሽኮርን ሕማም ልብን ተቓላዕቲ እየን፤ ክልቲኦም ጸገማት ጥዕና ከኣ ንምኻድ ጽንሲ የቃልዑ።