መራሕቲ ሃገራት ብሞት ልኡል ፊሊፕ ዝተሰመዖም ሓዘን ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንጉሳውያን ቤተ ሰብ፡ መራሕቲ ሃገራትን ቀዳሞት ሚኒስተራትን ሃገራት ዓለም ብሞት ልኡል ፍሊፕ ዝተሰመዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዝርከቡ ንጉሳውያን ቤተሰብን መራሕቲ 54 ሃገራት ዝሓቁፍ 'ኮመን ዌልዝ'ን በቶም ብዓርቢ ኣብ መበል 99 ዓመቶም ዝሞቱ ልኡል ዓባይ ብሪጣንያ ልኡል ፊሊፕ ዝተሰመዖም ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ ንሎሚ ሰንበት ናይ ምስጋና ህዝባዊ መደባት ኣዳልዮም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ
ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣውስትራልያ ስኮት ማሪሶን ሎሚ ሰንበት ብምኽንያት ሞት ልኡል ዓባይ ብሪጣንያ ልኡል ፊሊፕ ኣብ ሲድኒ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት መደብ ተረኺቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንልኡል ዓባይ ብሪጣንያ ልኡል ፊሊፕ "እቲ ጽንዑን ዘይቕየርን" ብምባል እዩ ገሊጽዎም።
ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣውስትራልያ ስኮት ማሪሶን "ንልኡል ዓባይ ብሪጣንያ ልኡል ፊሊፕ ናብ ኣውስትራልያ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዝበጽሓሉ ርህሩህ፡ ኣገልጋሊ፡ ተገዳስነትን ቅንዕና ዘለዎ መንፈስ ከምዝውንን ርኢና ኢና" ድሕሪ ምባል ብሞት ንልኡል ዓባይ ብሪጣንያ ልኡል ፊሊፕ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ።
ኣብ ኒውዝላንድ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ከተማ ውሊንግቶን ንዝኽሪ ንልኡል ዓባይ ብሪጣንያ ልኡል ፊሊፕ 41 መድፍዕ ክትኮስ'ዩ።
ኣብ ዓበይ ብርያንያ ማእከሉ ዝኾነ ኮመንዉልዝ፡ 54 ሃገራት ዝሓቁፍ ኮይኑ ኩለን ኣባላት ኮመንዌልዝ ናይ ሓዘን መልእኽተን ይሰዳ ኣለዋ።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኣውስትራልያ እትርከብ ባንዴራ ኣብ ፍርቂ'ያ ተሰቂላ ዘላ ከምኡ'ውን ትማሊ ንዝኽሪ ንልኡል ዓባይ ብሪጣንያ ልኡል ፊሊፕ ትማሊ ኣብ ሲድኒ 41 መድፍዕ ተተኵሱ።
ካልኦት መራሕቲኸ እንታይ ኢሎም?
ቀዳማይ ሚኒሰትር ካናዳ ጀስቲን ትሩድኣ ንልኡል ዓባይ ብሪጣንያ ልኡል ፊሊፕ ንካናዳን ንመላእ ዓለምን ብዙሕ ማሕበራዊ ኣበርክቶ ዝነበሮም'ዮም ክብል እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ክሃን'ውን ንልኡል ፊሊፕ 'በሊሕ መራሒ' ኢሉ ገሊጽዎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ'ውን ንሱን ሃገሩን ብሞት ልኡል ፊሊፕ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጹ ኣሎ።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ፕረዚደንት ኬንያ እሁሩ ኬንያታ፡ ፕረዚደንት ዙምባቤን ፕረዚደንት ታንዛንያን ካብቶም ናይ ሓዘን መልእኽቲ ዝሰደዱ እዮም።
ካብ ኣመሪካ
ኩሎም ብህይወት ዘለዉ ፕረዚደንታት ኣመሪካ ነበር፡ ብሕልፈት እቶም ትማሊ ዓርቢ ኣብ 99 ዓመቶም ዝሞቱ ልኡል ዓባይ ብሪጣንያ ልኡል ፊሊፕ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም፡፡
ኣብዚ እዋን ንኣመሪካ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን እውን፡ እቶም መስፍን ኢደንብራ ‘‘ንዓባይ ብሪጣንያ ዝሃብዎ ናይ ሙሉእ ዘበነ ህይወት ኣገልግሎት’’ ዘወድስ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ፡፡
ኣብ ህይወት ዘበን እዞም መስፍን፡ 18 ፕረዚደንታት ኣመሪካ ተመሪጾም እዮም፤ በዓልቲ-ቤቶም ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልኣይቲ ድማ ኣብ ዘበነ ንግስነታ ብበዓል-ቤታ ተጸምቢላ ምስ 12 ፕረዚደንታት ኣመሪካ ተራኺባ እያ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም መራሕቲ ብዛዕባ ልኡል ፊሊፕ እንታይ ተዛሪቦም?
ጆ ባይደን
ካብ ቤተ መንግስቲ 'ዋይት ሃውስ' መልእኽቱ ዘመሓላለፈ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንልኡል ፊሊፕ ‘‘ፍሉይ ሰብ’’ ክብል ገሊጹዎም፡፡
‘‘ንዓባይ ብሪጣንያን ኣባል ሃገራት ሓበራዊ ሃፍትን ዝሃብዎ ናይ ዕድመ ልክዕ ኣገልግሎት፡ ንነዊሕ እዋን ንኹሉ ሰብ ዝረኣይ እዩ፡፡
‘‘ብፍላይ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝናፈቕ ይመስለኒ፡፡ ኣብ 99 ዓመቱ‘ኳ ኣይረብረበን፡፡ ንዕኡ እየ ድማ ኣዝየ ዘድንቖ’’ ኢሉ፡፡
ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ዝመጽእ ሰነ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባኪንግሃም ምስ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ከምዝራኸብ ሓበሬታታት ኣለዉ፤ ኮይኑ ግና እቲ ፕረዚደንት ኣብ ቀብሪ እቶም ልኡል ክርከብ ምዃኑ ገና ከምዘይተወሰነ ተገሊጹ፡፡
እቲ ፕረዚደንት ምስ በዓልቲ ቤቱ ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደን፡ እቶም ልኡል ንዓመታት ንዝሃቡዎ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዝነበሮም ተራን ዝንእድ ሓበራዊ መግለጺ ኣውጺኦም እዮም፡፡
ዶናልድ ትራምፕ
ንመወዳእታ ግዘ ኣብ 2019 ነቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዝበጸሐ ዶናልድ ትራምፕ፡ ልኡል ፊሊፕ ‘‘ ውርዙይ ነብስን ኩሩዕ መንፈስን ዓባይ ብሪጣንያን ኣባል ሃገራት ሓበራዊ ሃፍትን ዝተላበሰ’’ ክብል ገሊጽዎም፡፡
ሞት እቶም ልኡል ድማ ‘‘ ንዓባይ ብሪጣንያን ንኹሎም ፈተውቲ ምዕባለናን ዘይትካእ እዩ’’ ኢሉ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ልኡል ፊሊፕ ንኽብርን መዓርግን ብሪጣንያ ዝገልጹ ሰብ እዮም’’ ዝበለ ትራምፕ ሓድነት ዓባይ ብሪጣንያ ሰብነት ዘልበሱ ከምዝነበሩ ገሊጹ፡፡
ባራክ ኦባማ
ባራክ ኦባማን በዓልቲ ቤቱ ሚሸልን፡ ንፈለማ እዋን ምስቶም ንጉሳውያን ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን ንሳቶም ‘‘ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ኣብቲ መድረኽ ነይሮም’’ ይብሉ፡፡
‘‘ከም መጠን ቤተ መንግስትን ዓበይቲ ጽምብላትን ዘይለመዱ ክልተ ኣመሪካውያን፡ እንታይ ከምእንጽበ ኣይፈለጥናን፡፡ ክንጭነቕ እውን ኣይነበረናን’’ ብምባል ድማ እተን ንግስትን እቶም ልኡልን ብኽብርን ልግስን ተቐቢሎም ቅልል ብዝበለ መገዲ ምቾት ክስመዖም ከምዝገበሩዎም ገሊጾም፡፡
ብፍላይ ልኡል ፊሊፕ ‘‘ ለዋህን ምቕሉልን’’ ከምዝኾኑ ብምግላጽ ድሕሪኡ ድማ ዝነበሮም ኣድናቆት እናወሰኸ ከምዝመጸ ተዛሪቦም፡፡
ኦባማን በዓልቲ ቤቱን ንፈለማ እዋን ኣብ 2016 ናብ ዓባይ ብሪጣንያ እንትበጽሑ፡ ወዲ 94 ዓመት ዝነበሩ ልኡል ፊሊፕ፡ ባዕሎም መኪና እናዘወሩ ናብቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዊንድዞር ዝተዳለወ እንግዶት ምሳሕ ወሲዶምዎም፡፡
ኦባማን ሚሸልን ነቶም ልኡል ‘‘ኣዐርዮም ከምዝናፍቑዎም’’ ገሊጾም፡፡
ጆርጅ ቡሽ
ጆርጅ ቡሽ፡ እቶም ልኡል ንህዝባዊ ኣገልግሎት ዝነበሮም ውፉይነት ንኢዱ፡፡
ኣብ ዕዉት ጉዕዞ ህይወቶም ዋጋ ንዘለዎም ነገራት ዓርሶም ከምዝወፈዩ ዝገለጸ ቡሽ ‘‘ንዓባይ ብሪጣንያ ብኽብሪ ወኪሎምዋን፡ ወሰን ዘይብሉ ጥንካረን ሓገዝን ኣርኪቦምላን’’ ክብል ገሊጹዎም፡፡
ብተወሳኺ ንሱን በዓልቲ ቤቱ ላውራን ነቶም ልኡል ምርካቦም ሕጉሳት ከምዝኾኑን፡ ሰብ ከምዝናፍቖምን ሐቢሩ፡፡
ቢል ክንተን
ቢል ክሊንተንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር በዓልቲ ቤቱ ሂላሪ ክሊንተንን ናብቶም ‘‘ካብ ሙሉእ ዓለም ንዕዉት ህይወትን ኣገልግሎትን እቶም ልዑል ምስጋና ዝህቡ ዘለዉ’’ ሰባት ከምዝተጸምበሩ ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም፡፡
ነተን ንግስትን ነቶም ልኡልን ብዙሕ እዋን ከምዝረኸቡዎም ዝገለጹ እቶም መጻምዲ፡ ምስቶም ልኡል ኮይኖም ዝገበሩዎም ምብጻሓት ኣዝዮም ከምዝተሓጎሱሎምን ንሕያውነቶም ከምዘመስግኑን ሓቢሮም፡፡
ጂሚ ካርተር
ብህይወት ዘሎ ብዕድመ ዝዓበየ ነበር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጂሚ ካርተር፡ ምስተን ንግስትን ልኡል ፊሊፕን ኣብ 1977 መኣዲ ተኻፊሉ እዩ፡፡
ኣብ ገጽ ትዊተር ፕረዚደንታዊ ላይበሪ እቲ ወዲ 96 ዓመት ካርተር ‘‘ብሕልፈት መስፍን ኢደንብራ ልኡል ፊሊፕ ዝተሰመዐና ሓዘን ንገልጽ’’ ዝብል መልእኽቲ ወጺኡ፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







