እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ናይ ሰይጣን ጫማ’ ዝዓደጉ ሰባት፡ ንዝዓደግዎ ጫማ ክመልስዎ ፃውዒት ቀሪቡ
ኩባንያ ናይክ፡ ንጣብ ደም ንዝዓረፎ ‘‘ናይ ሰይጣን ጫማ’’ ብዝብል ሽም ኣካትዓይ ጫማ ናብ ዕዳጋ ዘቕረበ ስራሓት ስነ ጥበብ ዝእክብ ትካል ኤምኤስሲኤችኤፍ (MSCHF)፡ ከምዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ።
እዚ ኣካትዓይ ዝኾነ “ናይ ሰይጣን ጫማ” ምስ ፍርያት ናይኪ ዝኾነ ስሙይ ጫማ ኤይር ማክስ 97 ተመሳስሉ ዝተሰርሐ እንትኾን፡ ጫማታት 666 ጥራሕ እዮም፡ ናብ ዕዳጋ ቀሪቦም። ብዘይ ሓደ ጫማ ድማ፡ ኩሎም ተሸይጦም ተወዲኦም ኔሮም።
እቲ ቀንዲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ጫማ፡ ዝተገልበጠ መስቀል፣ ሓሙሽተ ጫፍ ዘለዎ ኮኾብ፣ ሉቃስ ወንጌል ምዕራፍ 10 ጥቕሲ 18 ዝብል ዝተፅሓፎ እዩ።
እቲ ኤምኤስሲኤችኤፍ፡ ኣብ ናብ ዕዳጋ ዘቕረቦ ቀይሕን ፀሊምን ዝሕብሩ ጫማ፡ ምስ ናይ ራፐር ሊል ናስ ኤክስ ‘‘ኮል ሚ ባይ ዩር ኔም’’ ዝብል ሓድሽ ደርፊ ተገጣጢሙ ናብ ዕዳጋ ምቕራቡ ይዝከር።
ኣብቲ ናይ ሙዚቃ ቪድዮ፡ እቲ ራፐር ነቲ ጫማ ገይሩ ካብ መንግስተ ሰማያት ናብ ሲኦል ሸተት ኢሉ ክወርድን ምስ ሰይጣን ክስዕስዕን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ሰይጣን ቀቲሉ ነቲ ዘውዲ ክምንጥልን ይረአ፡፡
ኣብቲ ቪድዮ ዝቐረበ ምስልን፡ ኣብቲ ጫማ ዝተፃሕፈ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 10 ቁፅሪ 18 ‘‘ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ክወርድ ረኣኽዎ ’’ ዝብል ጥቕሲ ዘመልክት እዩ፡፡
እቲ ጫማ ናይ ናይክ ሶል ዘለዎ ኮይኑ፡ 60 ክዩቢክ ሴንቲሜትር ቀይሕ ቀለምን፡ ካብ ኣባላት እቲ ስራሓት ስነ-ጥበብ ዝእክብ ትካል ዝተለገሰ ትኽክለኛ ናይ ሰብ ንጣባት ደምን ዘለዎ እዩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኩባንያ ናይክ፡ ኣብ ልዕለይ ናይ ኣርማ ስርቂ ተፈፂሙ ብምባል፡ ኤምኤስሲኤችኤፍ ነቶም ጫማታት ናብ ዕዳጋ ከየቕርብ ክእገድ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ ክሲ ምምስራቱ ይፍለጥ።
ሕዚ ግና ናይክ፡ ምስ ኤምኤስሲኤችኤፍ ኣብ ጉዳይ እቲ “ናይ ሰይጣን ጫማ” ከምዝተላዘበ ብምሕባር፡ ነዚ ጫማ ዝዓደጉ ሰባት ብወለንትኦም ክመልስዎ ስለዝተሰማምዑ፡ ኣብ ልዕሊ ኤምኤስሲኤችኤፍ መስሪተዮ ዝነበርኩ ክሲ ከልዕሎ ቀሪበ ኣለኹ ኢሉ።
ኤምኤስሲኤችኤፍ፡ ነቲ ጫማ ብወለንትኦም ንዝምልሱ ዓማዊል፡ ዝኸፈልዎ ገንዘብ ክምልሰሎም እዩ። እዚ ምስዝኸውን፡ ስመይ ፀሊሙ ኢሉ፡ እዚ ጉዳይ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝወሰዶ ናይክ፡ ነቲ ክሲ ከልዕሎ እዩ።
እዚ “ናይ ሰይጣን ጫማ” ዝብል ዝያመ ዝተውሃቦ ጫማ፡ ብ 1018 ዶላር ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ተሸይጡ ከምዝተወደአ ይፍለጥ።
ኣብ ብሩክሊን ዝመደበሩ፡ ስራሓት ስነ-ጥበብ ዝእክብ ትካል ኤምኤስሲኤችኤፍ (MSCHF)፡ ትፅቢት ዘይተገበረሎም ኣካትዓይ ፍርያታት ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ፡ ዝና ኣብ ምጉንፃፍ ይርከብ።
ኩባንያ ናይክ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ “እዚ ትካል ኣብ ናትና ፍርያት ዝኾነ ነገር ብምልዋጥ ንዕዳጋ ንምቕራብ ዝገብሮ ተግባር፡ ንዓና ዝውክል ኣይኮነን፤ ናይ ሰይጣን ኮነ ናይ እየሱስ ጫማ ምሳና ዘተሓሕዝ ነገር የብሉን” ኢሉ ኣሎ።
መብዛሕትኡ ግዘ ከምዚ ዓይነት ፍርያታት ብቑፅሪ ውሑድ ስለዝፈርዩ፡ ዋግኦም በብግዚኡ ሰማይ እናዓረገ እዩ ዝኸይድ። ስለዝኾነ፡ ክንደየናይ ዝኣኽሉ ሰባት ንዝዓደግዎ “ናይ ሰይጣን ጫማ” ብወለንትኦም ይምልሱ ዝብል፡ መዘራረቢ መራኸብቲ ሓፋሽ ኮይኑ ኣሎ።