ኤልጂ ብምኽንያት ክሳራ፡ ምፍራይ ስማርት ሞባይል ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ

ኣፍራዪ ኤሌክትሮኒክስ ኤልጂ፡ ብምኽንያት ክሳራ ንግዲ ስማርት ሞባይል ደው ከምዘብል ሎሚ ሰኑይ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ደቡብ ኮርያዊ ግዙፍ ኣፍራዪ ኤሌክትሮኒክስ፡ ነቲ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ናይ 4.5 ቢልዮን ክሳራ ዘብጸሓሉ ዓውዲ መፍትሒ ንምንዳይ ይፍትን ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ምግላጹ ይዝከር።

ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ስእሊ ምውሳድ ዝኽእሉ ካሜራታት ሓዊሱ ኣብቲ ዓውዲ ብዙሕ ፈጠራታት ዘበርከተ ኤልጂ፡ ኣብ 2013 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ኣብ ዓለም እቲ ሳልሳይ ዝዓበየ ኣፍራዪ ሞባይል ስልኪ ኮይኑ ነይሩ፡፡

ኮይኑ ግና ንግዲ ሞባይል ውዒሉ ሓዲሩ ኣዝዩ ውድድር እናበዘሖ ከምዝመጸ እዮም ሓለፍቲ እቲ ትካል ዝገልጹ፡፡

ትካላት ሳምሰንግን ኣፕልን እቶም ዝዓበየ ዕዳጋ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ዝተቖጻጸሩ ኮይኖም፡ ኤልጂ ግና ብምኽንያት ኣብ ሃርድዌርን ሶፍትዌርን ምህርቲታቱ ዘጋጠምዎ ጸገማት ኣይቀነዖን፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንገለ ክፋል እቲ ንግዲ ንምሻጥ ዝገበሮ ፈተነ እውን ኣይሰመረሉን፡፡

ኤልጂ ሕዚውን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ካብቶም ሰለስተ ስም ዘለዎም ፍሉጣት ኣፍረይቲ እዩ፤ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግን ትሑት እዩ፡፡ ተንቀሳቐስቲ ስልኪታት ኤልጂ፡ ኣብ መበቆል እቲ ትካል ዝኾነት ደቡብ ኮርያ ዘለዎም ተቐባልነት እውን ደሓን ዝበሃል እዩ፡፡

ኤልጂ ካብቲ ውድድር ዝበዘሖ ንግዲ ስማርት ሞባይል ምውጽኡ፡ ኣብ ከም ምፍራይ ኣካላት ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ተሸከርከርቲ፣ ሮቦታት፣ ስማርት ገዛን ሰብ ሰራሕ ብልሕን ኣተኲሩ ክሰርሕ ከምዝሕግዞ እቲ ትካል ኣፍሊጡ ፡፡

ንግዲ ስማርት ተንቃሳቓሲ ስልኪ፡ ካብቶም ሓሙሽተ ዘርፊታት ኤልጂ እቲ ዝነኣሰን 7.4 ምኢታዊት ብጽኢት ኣታዊ እቲ ትካል ዝሓዘን ኮይኑ፡ ብደረጃ ዓለም ዘለዎ ብጽሒት ዕዳጋ ድማ ኣስታት 2 ምኢታዊት እዩ፡፡

ኤልጂ ኣብ ምህርቲ ኤሌክትሪኒክስ ኣቑሑት ገዛን ቴሌቪዥናትን ብዙሓት ዓማዊል ኣለዉዎ፡፡ እቲ ትካል ብመሸጣ ቴሌቪዥን ካብ ሳምሰንግ ቀጺሉ እቲ ዝለዓለ እዩ፡፡

ካብ ንግዲ ስማርት ተንቃሳቓሲ ስልኪ ምውጽኡ፡ ንደቡብ ኮርያዊ ትካል ሳምሰንግ ሓዊሱ ንከም ኦፖን ቪቮን ዝበሉ ቻይናውያን ኣፍረይቲ ስልኪ ዕድል ከምዝፈጥረሎም ተንተንቲ ይገልጹ፡፡

ኣብ 2020 ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ዕጽዋታት መሸጣ ስማርት ተንቀሳቓሲ ስልኪ፡ ብሓፈሻ ብ 10 ምኢታዊት ከምዝቐነሰ እዩ ዝግለጽ፡፡