ናይክ፡ ንጣብ ደም ሰብ ዝዓረፎ 'ናይ ሰይጣን ጫማ’ ዝሰርሐ ትካል ከሲሱ

ምንጪ ስእሊ, MSCHF
ኩባንያ ናይክ፡ ንጣብ ደም ንዝዓረፎ ‘‘ናይ ሰይጣን ጫማ’’ ብዝብል ሽም ጫማ ናብ ዕዳጋ ንዘቕረበ ኤምኤስሲኤችኤፍ (MSCHF) ዝተባህለ ስራሓት ስነ ጥበብ ዝእክብ ትካል ከሲሱ፡፡
እቲ ቀንዲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ጫማ ትክክኛ ንጣብ ደም ሰብ ኣሎዎ፡፡
ብተወሳኺ፡ ዝተገልበጠ መስቀል፣ ሓሙሽተ ጫፍ ዘለዎ ኮኸብ፣ ሉቃስ ወንጌል ምዕራፍ 10 ጥቕሲ 18 ዝብል ዝተጽሓፎ ኮይኑ ምስ ናይክ ኤየር ማክስ 97 ዝተባህለ ጫማ ተመሳሲሉ ዝተሰርሐ እዩ፡፡
እቲ ትካል ብ 1018 ዶላር ምስ ራፐር ሊል ናስ ኤክስ ናብ ዕዳጋ ዘቕረቦ ጫማ ኤምኤስሲኤችኤፍ 666፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ተሸይጡ ከምዝተወደአ ገሊጹ፡፡
ኩባንያ ናይክ ድማ ጥሕሰት ምልክት ንግዲ ከምዝተፈጸሞ ብምግላጽ እዩ ከሲሱ ዘሎ፡፡
ኤምኤስሲኤችኤፍ ናብ ዕዳጋ ዘቕረቦ ጫማ፡ ዓርቢ ምስዝወጸ ናይ ራፐር ሊል ናስ ኤክስ ‘‘ኮል ሚ ባይ ዩር ኔም’’ ዝብል ደርፊ ተገጣጢሙ እዩ፡፡
ኣብቲ ናይ ሙዚቃ ቪድዮ፡ እቲ ራፐር ነቲ ጫማ ገይሩ ካብ መንግስተ ሰማያት ናብ ሲኦል ሸተት ኢሉ ክወርድ ይረአ፡፡
ኣብቲ ቪድዮ ዝቐረበ ምስልን፡ ኣብቲ ጫማ ዝተጻሕፈ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 10 ቁጽሪ 18 ‘‘ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ክወርድ ረኣኽዎ ’’ ዝብል ጥቕሲ ዘመልክት እዩ፡፡
እቲ ጫማ ናይ ናይክ ሶል ዘለዎ ኮይኑ፡ 60 ክዩቢክ ሴንቲሜትር ቀይሕ ቀለምን፡ ካብ ኣባላት እቲ ስራሓት ስነ ጥበብ ዝእክብ ትካል ዝተለገሰ ንጣባት ደምን ኣለዎ፡፡
ኣፍራዪ ጫማ ናይክ፡ ነቲ ምስ ናቱ ምህርቲ ተመሳሲሉ ዝተሰርሐ ‘‘ናይ ሰይጣን ጫማ’’ ክፈርይ ኣየፍቅድን ክብል እዩ ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከሲሱ ዘሎ፡፡
ብተወሳኺ ጫማ ምልክት ንግዲ ናይክ ከይጥቀምን ካብ ምሻጥ ክኽልከልን ናይክ ሓቲቱ፡፡
ብተመሳሳሊ እቲ ጫማ ምድንጋር ከምዝፈጠረ ዝሓበረ ናይክ፡ እቲ ናይ ሰይጣን ጫማ ናይ ናይክ መሲሉዎም ዓማዊሉ ብትዊተር ሰባት ነቲ ጫማ ከይገዝኡ ተቓውሞ ከምዘስምዑ ከም መረዳእታ ኣቕሪቡ ኣሎ፡፡
ዓቓባውያን ኣመሪካውያን ድማ ፡ ነቲ ጫማን ነቲ ራፐርን ብምቅዋም ኣብ ትዊተር ጽሒፎም እዮም፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







