ቅልውላዉ ትግራይ፡ መዓስከራት ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን ‘ፍጹም ዓንየን’ ከምዘለዋ ተረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS
ኣስታት 20,000 ኤርትራውያን ዝነበሩወን መዓስከራት ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን "ምሉእ ብምሉእ ዓንየን" ከም ዝረኸበን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ሎሚ 26 መጋቢት 2021 ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ ምስ ትካል ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ኣብተን መዓስከራት ክበጽሑ ከም ዝኸኣሉ ብምግላጽ "ክልቲአን መዓስከራት ፍጹም ዓንየን፡ ኣብኡ ዝነበረ ኩሉ ሰብኣዊ ትካላት ተዘሚቱን ዓንዩን" ከም ዝጸንሖም ሓቢሩ።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ናይ ረዲኤት ትካላት ብዛዕባ ሃለዋት ናይቶም ኣብተን ክልተ መዓስከራት ዝነበሩ ስደተኛታት ሻቕሎቶም ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።
"ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ብዛዕባ ድሕነት ናይ ኩሎም እቶም ኣብተን መዓስከራት ዝቕመጡ ዝነበሩን፡ ካብአን ሃዲሞም ዝወጹን ኣዝዩ ተሻቒሉ ኣሎ" ክብል ኣፈኛ ናይቲ ትካል ቦሪስ ቾሺርኮቭ ሎሚ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።
"ኣብቲ ከባቢ [ሸራሮ] ፋሕ ዝበሉ ስደተኛታት ኣለዉ ከም ዝብሃልን፡ ብህጹጽ ድሕነትን ደገፍን ከም ዘድልዮም" እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።
ካብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓልን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ከም ዘስዓበ ሓያሎ ጸብጻባት ይገልጹ።
እቲ ኲናት ኣብ ዝተወለዓሉ እዋን ኣስታት 100 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ምንባሮም ይፍለጥ።
ብሰንኪ'ቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ድማ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም፡ ብዘይ ሓለዋን መግብን ንኣዋርሕ ጸኒሖም።
ኣብ ልዕሊኦም፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ጭውያን ከምዝፈጸሙ ዝገልጽ ጸብጻባት ክበጽሖም ከም ዝጸንሐ ትካላት ረዲኤት ክግልጹ ምጽንሖም ይዝከር።
ሰብመዚ ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እተን መዓስከራት ብመሰረት ዓለምለኻዊ ቅጥዕታት ክግዕዛ ከም ዝወሰኑ ገሊጾም ነይሮም።
ካብ መዓስከራት ሺመልባን ሕጻጽን ዝሃደሙ ኣስታት 7000 ናብተን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ናይቲ ክልል ዝርከባ መዓስከራት ዓዲ-ሓሩሽን ማይ-ዓይኒን ኣትዮም ከም ዘለዉ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ካልኦት ኣስታት 2000 ድማ ኣብ ሽረ፡ መቐለ፡ ክልል ዓፋርን ኣዲስ ኣበባን ከምዘለዉ ጠቒሱ።
ካብቲ እተን መዓስከራት ዝርከባሉ ከባቢታት ሸራሮ ዝተፈናቐሉ ኣስታት 95 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣለዉ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉን ንምድሓን ሂወቶም ወሳኒ ዝኾነ መግቢ፡ ማይ፡ መዕቆቢ፡ ሕክምናን ጽሬትን "ብህጹጽ" ከምዘድልዮም ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







