እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቦይንግ 737 ነፋሪት ኢንዶኔዥያ ዝወደቐትሉ ከባቢ ተፈሊጡ ተባሂሉ
ናይታ ብቐዳም ካብ ርእሰ ከተማ ኢንዶኔዥያ ጃካርታ፡ ምስተልዓለት ኣብ ባሕሪ ዝወደቐት ቦይንግ 737 ነፋሪት መጓዓዝያ፡ ዝወደቐትሉ ከባቢ ከምዝተፈለጠ ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም።
62 ሰባት ሒዛ ናብ ምዕራባዊ ግዝኣት ካማንታን ዝተበገሰት'ዛ ነፋሪት መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ደቒቓ እያ ካብ መቆጻጸሪ (ራዳር) ጠፊኣ።
ሎሚ ሰንበት፡ ካብ መኽዘን ሓበሬታ እታ ነፋሪት ዝምንጩ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝተባህለ ደሃይ ኤሌክቶኒካዊ ምልክታት ተረኺቡ ኣሎ።
ልዕሊ 10 መራኽብን ሓምበስትን እውን ናብቲ ካባቢ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ተገሊጹ።
ሓላፊ ትካል ኣለሻን ምድሓንን ኢንዶኔዥያ ባጉስ ፑሩሂቶ "ኣብ ክልተ ቦታታት ምልክታት ረኺብና ኣለና፤ ናይቲ ጸሊም መኽዘን ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል እዩ" ክብል ሓቢሩ።
ተመራመርቲ ድማ፡ ኣካላት እታ ዝወደቐት ነፋሪት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ቁርጽራጽ ሓጻውን ይምርምሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ካብቲ ኣላሺ ትካል ክልተ ሳናጡ ከምዝተቐበሉ ዝገለጸ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ጃካርታ ዩስሪ ዩኑስ፡ እቲ ሓደ ሳንጣ ንብረት ተጓዓዝቲ ዝሓዘ ከምዝኾነን እቲ ካልእ ድማ ኣካላት እታ ነፋሪት ዝሓዘ ከምዝኾነን ብምግላጽ ይምርምሩዎም ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
እታ ዝወደቐት ነፋሪት ካብተን ብምኽንያት ዘጋጠሙ ክልተ ከበድቲ ሓደጋታት ካብ መጋቢት 2019 ጀሚረን ጠጠው ክብላ ዝተገበራ ቦይንግ 737 ማክስ ኣይኮነትን።
እታ ነፋሪት እንታይ ኣጓኒፉዋ?
ሰዓት 7፡36 ጂኤምቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ጃካርታ ዝተልዓለት ነፋሪት መጓዓዝያ ስሪዊጃያ፡ ምስተቖጻጸርቲ ድሕሪ ኣርባዕተ ደቒቓ ናይ መወዳእታ ርክብ ከምዝገበረት ሚኒስትሪ መጓዓዝያ እታ ሃገር ይገልጽ።
እታ ነፋሪት ዝኾነ ጸገም ከምዘጋጠማ ዝሕብር ምልክት ከምዘይለኣኸት ድማ ሓላፊ ሃገራዊ ትካል ህይወት ምድሓንን ኣለሻን ማርሻል ባጉስ ፑሩሂቶ ይሕብር፡፡
በረራታት ዝከታተል ፈላይትራዳር24 ድማ እታ ነፋሪት ሓደ ደቒቕ ኣብዘይመልእ እዋን ኣስታት 3ሽሕ ሜትሮ ንታሕቲ ከምዝወረደት ይግምት፡፡
መሰኻኽር ዓይኒ እውን ብውሑድ ሓደ ነትጒ ከምዝሰምዑ ተዛሪቦም እዮም።
ሓደ ገፋፊ ዓሳ፡ እታ ነፋሪት ከም መብረቕ ናብቲ ባሕሪ ከምዝወደቐትን ኣብቲ ውሽጢ ማይ ሓያል ነትጒ ከምዝሰምዐን ተዛሪቡ።
‘‘ ኣብ ጥቓና እያ ወዲቓ፤ ዕንጸይቲ ዝመስሉ ስብርባራት ድማ ነታ መርከበይ ንስሎ ስሒቶምዋ፡፡’’
ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት እንታዎት እዮም?
ኣብታ 130 ሰባት ናይ ምጽዓን ዓቕሚ ዘለዋ ነፋሪት፡ 7 ቆልዑትን 3 ህጻናትን ዝርከቡዎም 50 ተሳፈርትን 12 ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ከምዝነበሩ ሰበስልጣን ኢንዶኔዥያ ይገልጹ፡፡
እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ኩሎም ኢንዶኔዥያውያን ክኾኑ ከለዉ፡ ኣዝማዶም ኣብ ሓያል ጭንቀት ኮይኖም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ፖንቲያናክን ጃካርታን ክጽበዩዎም ተራእዮም እዮም፡፡
ያማን ዛይ ዝተባህለ ሰብኣይ ድማ ‘‘ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራይ ኣብታ ነፋሪት ነይሮም፤ በዓልቲ ቤተይን ሰለስተ ደቀይን’’ ብምባል እናበኸየ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ፡፡
ብዛዕባ እታ ነፋሪት እንታይ ንፈልጥ?
እታ ነፋሪት 26 ዓመት ዝገበረት፡ ቦይንግ 737-500 ከምዝኾነት ሰነዳዊ መረዳእታኣ የመልክት።
ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝነበረት ዝገልጽ ሓላፊ መገዲ ኣየር ስሪዊጃያ፡ ጀፈርሰን ኢርዊን፡ ብምኽንያት ሓያል ዝናብ 30 ደቒቓ ዘንጊዓ ከምዝተልዓለት ተዛሪቡ።
እታ ነፋሪት 20 ኪሜ ምስተጉዓዘት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ 2018 ሓደጋ ነፋሪት ዘጋጠመሉ ከባቢ ጠፊኣ።
ኣብታ ጥቅምቲ 2018፡ ምስተበገሰት ድሕሪ 12 ደቒቓ ናብ ባሕሪ ዝወደቐት ነፋሪት፡ 189 ሰባት ሞይቶም እዮም።
እቲ ሓደጋ ካብቶም ንነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ካብ ስራሕ ክእገዳ ዝገበሩ ሓደጋታት ሓደ እዩ ነይሩ።