ንሃገረ ስጳኛ እናደለዩ ኣብ ኣትላንቲካዊ ወቅያኖስ ዓሰርተ መዓልቲ ዝገበሩ ስደተኛታት

ሞሮካዊ ስደተኛ መሓመድ ዚቶኒ ኣብ ስፐይን ንኣስታት ዒስራ ዓመታት ተቐሚጡ። “እዚ መገዲ እዚ ንሓወይ ኮነ ንኻልኦት ሰባት ኣይጽብቑን” ድማ ይብል።
መሓመድ ራሃሊ ንዝተብሃለ ምንኣስ ሓዉ’ዩ ክደሊ ጸኒሑ። ምንኣስ ሓዉ ካብቶም ካብ ሰሜናውን ምዕራባውን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ብመገዲ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ኣቋሪጾም ድሕሪ ኣጸጋሚ ጉዕዞ ናብ ደሴታት ካናሪ ዝኣተዉ ኣስታት 19 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ሓደ እዩ።
ካብ ሞሮኮ ናብ ደሴታት ካናሪ ንኽትበጽሕ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝወስድ’ኳ እንተኾነ ካብ ሞሮኮ ንታሕቲ ካብ ዘለዋ ሃገራት ናብዚ ንኽትበጽሕ ግን ካብኡ ዕጽፊ ክወስደሎም ከምዝኽእል ይእመን።
ኣብ 2020 ጥራይ ናብ ደሴታት ካናሪ ዝኣተዉ ቁጽሪ ስደተኛታት ምስ ኣብ 2019 ዝኣተዉ ሰባት እንትነጻጸር ልዕሊ ዓሰርተ ዕጽፊ ከምዝኾነ ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር።
“እዚ ዕጫ እዚ ንዝኾነ ሰብ ኣይምነየሉን ምኽንያቱ ጽቡቕ ስለዘይኮነ። እንተኾነ ግን ንዝሓሸ ናብራ እቲ እንኮ ኣማራጺ ካብ ኮነ እንታይስ ክንገብር ኮይንና”
መሓመድ ዚቱኒ ምንኣስ ሓዉ ንምድላይ ናብ ደቡባዊ ጫፍ ደሴት ግራን ካናርያ ኣምሪሑ ነይሩ። እቲ ቦታ ኣብ ሓደ እዋን ኣስታት 2600 ስደተኛታት ኣብ ቴንዳ ዓሪፎሙሉ ከምዝነበረ’ዩ ዝንገር።
ምዕራፍ ጀላቡን መራኽብን ዝኾነ ኣርጉንጉን ብሰብ ሞያ ህይወት ኣድሕን ንዝተረኸቡ ስደተኛታት ከም ግዝያዊ መዕቖቢ ኮይኑ እናገልገለ’ዩ ጸኒሑ።
ናይ ራሃሊ ቴሌፎን ባትሪኣ ቅድሚ ምዕጻዉ ሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሎም ብቴሌፎን ተራኺቦም ነይሮም። ምስተራኸቡ ድሕሪ ቅሩብ መዓልቲ እቲ መዓስከር ፈሪሱ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራይ ሸውዓተ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ደሴታት እቲ ከባቢ ኣትዮም። እዚ ቁጽሪ ካብ 2006 ንድሓር እቲ ዝበዝሐ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘሎ ህልዊ ኩነታት እንትርአ ሕጽረት መሰረታውያን ኣገልግሎት ኣለዎ።

ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ነቶም ስደተኛታት ክሳብ መርመራ ኮሮናቫይረስ ዝገብሩን ሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ዘካይዱን ንኣስታት 72 ሰዓታት ክሕልውዎም’ኳ ፍቓድ እንተለዎም እቶም ስደተኛታት ግን ልዕሊኡ ከምዝጸንሑ እዩ ዝንገር።
ስለምንታይ’ዮም ነዚ መገዲ ዝመርጽዎ?
ኣፍሪቃውያን ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝጓዓዝሉ ካብ ሜዲትራንያን ባሕሪ ክሳብ ግሪክን ጣልንያንን ዘሎ መገዲ ጥቡቕ ክትትል ክግበረሉ ስለዝጀመረ፡ ብኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝግበር ስደት እናወሰኸ መጺኡ’ሎ።
ብርግጽ ጽቡቕ ጠባይ ኩነታት ኣየር’ውን ካልእ ተመራጺ ካብዝገብርዎ ነገራት ሓደ እዩ።
እንተኾነ ግን መረዳእታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልክቶ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 600 ሰባት ኣብ ባሕሪ ጢሒሎም’ዮም።
እታ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓለት ሕንጣይ
እግሪ ተኽሊ ጓል 13 ወርሒ ሳሄ ሴፎር ምስ ኣዲኣን ካልኦት 30 ሰባትን ኣብ ገማግም ባሕሪ ግራን ካናሪያ ኣብ 2019 ካብ ዝጠሓሉ ሰባት ሓንቲ እያ።
ንሳ ፈላመይቲ ሰነድ ዘይብላ ግን ድማ ብወግዒ ካብ ዝተቐበሩ ስደተኛታት ኮይና ከምዝተመዝገበት ጸብጻባት የረድኡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
---
- ብዝሒ ኣብ 2020 ብባሕሪ ናብ ስፐይን ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ 38,862
- ናብ ደሴት ካናርያ ዝኣተዉ፡ 19,493
- ቁጽሪ ኣብ ምእታው ደሴት ካናርያ ዝሞቱ፡ 650
- ፍልፍል፡ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት
---
መንግስቲ ስፐይን ንኣስታት 6 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ሆቴል ወጻእታቶም እናኸፈለ ኣብ 17 ሆቴላት ክጸንሑ ገይሩ ነይሩ።
እቶም ሆቴላት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ስራሕ ደው ኣቢሎም ተዓጽዮም ዝነበሩ እዮም። ገሊኦም ስደተኛታት ከኣ ኣብ ግዝያዊ መዓስከር ስደተኛታት ኣዕቝቦም ይርከቡ።
ሰኔጋላዊ መሓመድ፡ ኣብ ሆቴል ቪስታ ኦኣሲስ ካብ ዘዕቖቡ ስደተኛታት ሓደ እዩ። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝግዓዘ ኮይኑ ካልኦት ኣሰሩ ስዒቦም ብተመሳሳሊ መገዲ ዝተበገሱ ክልተ ኣሕዋቱ ግን ኣብ ባሕሪ ጢሒሎም’ዮም።
“ናብዚ ክንበጽሕን ዝሓሸ ህይወት ክንነብርን ኢልና ብዙሕ መስዋእቲ ኢና ከፊልና” ዝብል መሓመድ “ምኽንያቱ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ መንግስቲ ርክብ እንተዘይብልካን ካብ ሃብታም ስድራ እንተዘይተወሊድካን ጽቡቕ ህይወት ክትነብር ኣዝዩ ከቢድ እዩ” ብምባል ህይወት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈታኒ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።
እቶም ሓደሽቲ ኣተውቲ እንታይ’ዩ ከጋጥሞም?
ድሕሪ ክንደይ ጸገም ናብ ደሴታት ስፐይን ዝኣተወ መሓመድ፡ ብዛዕባ ምርካብ ሕጋዊ ወረቐት ኢሉ እውን ናብ ስፐይን ድዩ ክግዕዝ ዋላስ ናብ ካልኦት ዝምነየን ሃገራት ኣውሮጳ እዩ ክኸድ ዝብል ጉዳይ ደንጽይዎ’ሎ።
“ናይ ሰኔጋል ዜግነት ዘለዎም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ’ዮም ዝብል ወረ ንሰምዕ ኣለና፡ ግን ሓቂ ድዩ ሓሶት ርግጸኛታት ኣይኮናን” ዝበለ መሓመድ፡ ብዙሓት ሰኔጋላውያን ደቂ ዓዱ በቲ ዝሰምዕዎ ዘለዉ ሓበሬታ ከምዝተሻቐሉ ድሕሪ ምግላጽ ሻቕለቶም ከኣ እንተተመሊሶም ኣይ ስራሕ ኣይ እቶት ገሃን መሃን ኮይኖም ከይትረፉ’ዩ።
ሚኒስትር ውሽጢ ዓዲ ስፐይን ፈርናንዶ ግራንደ፡ መንግስቲ ስፐይን ምእንቲ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝግበር ዘይስሩዕ ስደት ንምንካይ ኢሉ ነቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንዘይምምላስ ከምዝመርጽ ሓቢሩ።
መንግስቲ ስፐይን ምስ ሰኔጋልን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣብ ጉዳይ ምምላስ ስደተኛታት ኣድሂቡ ወግዒ ከምዝጀመረን እቲ ዝኽተሎ ዘሎ ከይዲ ግን ናይ ሕጊ ሕልኽላኻት ዝበዝሖ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።

“ቅሉዕ ወራር እዩ”
መንግስቲ ስፐይን ነዚ ቅልውላው ንምግታእ ዘኽእል ቅድመ ምድላው ኣይገበረን ዝብል ነቔፌታ ይቐርቦ’ዩ።
እዚ ብዘይምግባሩ ድማ ኣብ ማዕርፎ መራኽብ ኣርግዩጉን ናዕቢ ክለዓልን ኣብ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ጸቕጢ ከምዝፈጠረን ይግለጽ።
ሰልፊ ሕብረት ካናርያ ዝወከለት ኣባል ኮንግረስ ኣና ኦራማስ ነቲ ኩነታት “ዝተደጎለ ሓዊ” ክትብል ገሊጻቶ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ንስደተኛታት ዝድግፉን ዝቃወሙን ሰልፍታት ተኻይዶም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
“እዚ ቅሉዕ ወራር’ዩ” ዝብል መርገጺ ዘለዎ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝነጥፍ ኣንቶንዮ ሳንታና፡ “ዝኾነ ይኹን ሰብ ክነብር ኣለዎ ዝብል እምነት’ኳ እንተለኒ ይኹን እምበር ኣምጺኢኻ ኣብ ሆቴላት ክተዕርፎም ከምዘይከኣል ክርድኡ ኣለዎም” ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለዎ።
ካልእ ስፔናዊ ዝኾነ ጆሴ ማርያ ግን ስፐናውያን ናይ ስደት ታሪኽ ከምዝነበሮም ብምዝኽኻር እቶም ናብ ስፐይን ዝሰደዱ ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ኵናት ከምዘሎን ንምንባር ስለዝተጸገሙን ከምዝኾነ ይዛረብ።
መንግስቲ ስፐይን ነቶም ኣብ ሆቴላት ኣዕሪፎም ዘለዉ ኣስታት 7 ሽሕ ስደተኛታት ዝኸውን መዕረፊ ቦታ ከምዘዳለወሎም ተሓቢሩ።
መንግስቲ ናይ’ታ ሃገር፡ ዘለዉ ጸገማት ተጻዊሩ ነቲ ኩነታት ውሕሉል ብዝኾነ መገዲ ከምዝኣለዮ ሓላፊት ስደተኛታት ስፐይን ሃና ጃሎል ገሊጻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







