ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝተኮሰ መንግስቲ ኣሚኑ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታሃደራቱ ኣብ ልዕሊ ናብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዝተኮሱ ኣሚኑ።

ኣፈኛ መንግስቲ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ ቦታ ክህልዉ ኣይነበሮምን ክብል ተዛሪቡ።

ቅድሚ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም፡ ንክልተ ናይ መፈተሺ ነቑጣታት ጥሒሶም ሓሊፎም ክብል'ውን ኣፈኛ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ መንግስቲ ፌደራል ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ከሲሱ።

ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ'ቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ፍጻመ ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።

እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዝነበሩን፡ ድሕሮም ከምዝተፈትሑን ኣቶ ሬድዋን ሓቢሩ።

ዝኾነ ወገን "ንመምርሒ መንግስቲ ከኽብር ኣለዎ" ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።

እቶም ሰራሕተኛታት፡ ናብቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦምሉ ዘለዉ መዓስከራት ይኸዱ ከም ዝነበሩ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ሰብመዚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝድለ ዘሎ ሰብኣዊ ረዲኤት "ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመርሐን ዝተወሃሃደን" ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

እቶም ስደተኛታት ኵናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለው እዮም ክዛረቡ ጸኒሖም።

ብሰንኪ'ቲ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብቲ ክልል ዝቐጸለ ውግእ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ካልኦት ትካላት ረዲኤትን ሰብመዚ ኢትዮጵያን ካብቲ መዓስከራት ኣቐዲሞም ብምውጽኦም፡ ብዘይ ሓለዋ ኣብ ውሽጢ ኲናት ተቐርቂሮም ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ካብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ቢቢሲ ዘዘራራባ ኣደ ቖልዑት ኤርትራዊት፡ ለይቲ ለይቲ ዕጡቓት ሰረቕቲ ናብቲ መዓስከር እናኣተው ብዕጥቆም ኣፈራሪሖም ቴሌፎንን ኣዋርቕን ይዘምቱ ከም ዘለው ሓቢራ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ትግራይ፡ ዓዲ ሓርሽ፣ ማይ ዓይኒ፣ ሕጻጽን ሽመልባን ዝርከቡ ኣስታት 96 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝነበሮም መግቢ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ከም ዝተወደኣን ጸጥተኦም ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐን ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ።