እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ስግኣት ውሕስነት ኣለና ብምባል፡ ካብ ቤት-ፍርዲ ተሪፎም
ንቅትለት ስሙይ ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ብገበን ግብረ-ራዕዲ ተኺሲሶም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ኣይተ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን፡ ስግኣት ውሕስነት ኣለና ብዝብል፡ ናብ ቤት-ፍርዲ እንከይቀረቡ ተሪፎም።
ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ እገዳ ንብረት ናይዞም ተኸሰስቲ ውሳነ ንምሃብ፡ ንሎሚ መዓልቲ ቆፀራ ሂቡ ነይሩ።
ይኹን’ምበር ካብ ሞንጎ ተኸሰስቲ፡ ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ናብ ቤት-ፍርዲ ኣይቀረቡን።
እቲ ቤት-ፍርዲ ኣይተ ጃዋር መሓመድን ኣይተ በቀለ ገርባን ንምንታይ ከምዘይቀረቡ ሓቲቱ።
ምምሕዳር እቲ ቤት-ማእሰርቲ ድማ፡ ተኸሰስቲ ስግኣት ውሕስነት ኣለና ብዝብል ምኽንያት ከምዘይቐረቡ፡ ነቲ ቤት-ፍርዲ ኣፍሊጡ።
ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ዝተኸሰሰ ኣይተ ሃምዛ ቦረና፡ “ኣይተ ጃዋርን ኣይተ በቀለን ‘እታ ሃገር ሕዚ ትርከበሉ ኩነታት ስለዘስገኣና፡ ኣብዚ ቆፀራ ክንርከብ ኣይንኽእልን’ ኢሎም” ክብል ንቤት-ፍርዲ ተዛሪቡ።
“ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ኣይኮነን’ዶ ኣብ ልዕሌና ጉድኣት በጺሑ፡ ፈተነ [ቅትለት] እኳ እንተተገይሩ፡ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ስለዘጥሕላ፡ ነታ ሃገር ብምሕላይ ናብ ቤት-ፍርዲ ካብ ምኻድ ንርእስና ቆጢብና ኣለና” ከምዝበሉ፡ ኣይተ ሃምዛ ነቲ ቤት-ፍርዲ ኣረዲኡ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ እንከላ፡ ኣብ ጉዳይ ንብረት ንምክታዕ ናብ ቤት-ፍርዲ ምምልላስ ‘ንዓና ዘሕፍር እዩ’ ብዝብል ምኽንያት ከምዘይቐረቡ፡ ኣይተ ሃምዛ ቦረና ንክልቲኦም ተኸሰስቲ ወኪሉ ተዛሪቡ።
ኣብ መዝገብ ክሲ እኒ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ተኸሲሶም ናብ ቤት-ፍርዲ ዝቐረቡ ካልኦት’ውን፡ እታ ሃገር ሕዚ ትርከበሉ ኩነታት ከምዘሻቐሎም ነቲ ቤት-ፍርዲ ምዝራቦም፡ ካብ ጠበቓታት ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓደ ዝኾነ፡ ኣይተ ከድር ቡሎ ንቢቢሲ ገሊፁ።
እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ኣብ ጉዳይ እገዳ ንብረት ናይቶም ተኸሰስቲ ዝምልከት ውሳነ ንምሃብ ድማ፡ ን 15 ሕዳር ቆፀራ ሂቡ'ሎ።