እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል ዋጋ 5 ሚልዮን ዶላር ስርናይ ናብታ ሓዳሽ 'መሓዛኣ' ሱዳን ክትልእኽ እያ
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ሃገሩ ናብታ 'ሓዳሽ መሓዝኣ' ሱዳን ዋጋ 5 ሚልዮን ዶላር ስርናይ ክትልእኽ ምዃና ገሊጹ።
ከም ኣባል ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝገብርኦ ዘለዋ፡ ሱዳን'ውን ምስ እስራኤል ዘለዋ ርከባት ኣብ ምምሕያሽ እያ ትርከብ።
እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር እስራኤል ዝወጽአ መግለጺ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ሳሙናት፡ ልኡኻት እስራኤልን ሱዳንን ከምዝራኸቡ'ውን ጠቂሱ ኣሎ።
ሱዳን ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓያል ቁጠባዊ ቁልውላውን ሕጽረት መሰረታዊ ናይ መግቢ ሃለኽትን ኣጋጢምዎ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰትር ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ብትዊተር ኣብ ዝጽሓፎ መልእኽቲ፡ እስራኤል ንሱዳን ኣብዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን ምሉእ ደገፍ ከም እትገብረላ'ውን ተመባጺዑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን ንሱዳን ካብ መዝገብ 'ንግብረ ሽበራ ዝሕገዛ ሃገራት' ንኽኣልያ ኣብ ምሽብሻብ እዩ ዘሎ።
ሱዳን፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝመርሓ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል በሽር፡ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ኣብ ናይ መሰጋገሪ እዋን እያ ዘላ።