ኣውስትራልያ፡ 470 ዓሳ ነባሪ ኣብ ገማግም ታስማንያ ተገፊዖም ጸኒሖም

ኣብ ኣውስትራልያ ግዝኣት ታስማንያ ኣብ ታሪኽ ዝበዝሑ ዓሳ ነባሪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብማዕበል ናብ ደገ ተደፊኦም ከም ዝጸንሑ ተገሊጹ።

ካብ ሰኑይ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 470 ዓሳ ነባሪ ገሊኦም ናብ መሬት ገሊኦም ድማ ናብቲ ዓᎁቕ ዘይኮነ ማያት ተደፊኦም ወጺኦም ከም ዝጸንሑ ተሓቢሩ።

ካብቶም ድሒሮም ዝተረኸቡ 200 ዝኾኑ ዓሳ ነባሪ እቶም ዝበዝሑ ሞይቶም ከም ዝጸንሑ ሰብ መዚ ኣውስትራልያ ሓቢሮም።

ሰራሕተኛታት ዕቃበ ባሕርን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ነቶም ብህይወት ዝጸንሕዎም ዓሳ ነባሪ ንምድሓን ይረባረቡ ከም ዘለዉ ገሊጸም።

ካብቶም ኣብ መጀመርታ ብሰሉስ ዝተረኸቡ ቀዳሞት ጉጅለ እቶም 25 ዓሳ ነባሪ ክድሕኑ እንከለዉ፡ ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ብማዕበል ተደፊኦም ዳግማይ ናብቲ ገማግም ከም ዝተመለሱ እቶም ሰብ መዚ ገሊጾም።

ሓደ ካብ ላዕልዎት ሓለፍሪቲ ግዝኣት ተስማንያ ኒክ ድካ "ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ዘለውን ናብ ገማግም ዝግፍዑ ዘለዉ ዓሳ ነባሪ ይውስኽ ስለ ዘሎ ኣዚና ኢና ተሻቒልና ዘለና” ኢሉ።

እንተኾነ ሰራሕተኛታት ዕቓበ ባሕርን ህይወት ኣድሕንን ብዙሓት ዓሳታት ብህይወት ንክቅጽሉ ይረባረቡ ስለ ዘለዉ ተስፋ ከምዝህብ ተዛሪቡ።

ብሄሊኮፕተር ዳህሳስ ምስ ተኻየደ፡ ካብቲ እቶም ብሰሉስ ዘተረኸብሉ 10 ኪሎሜትር ርሒቆም እቶም ካልእ ጉጅለ ዓሳ ነባሪ ከም ዝተረኸቡን ሰራሕተኛታት ዕቃበ ባሕርን ህይወት ኣድሕንን ብጀላቡ ናብቲ ቦታ ከም ዝተለኣኹን ኒክ ድካ ሓቢሩ።

ኣብቲ ቀዳማይ ጉጅለ 90 ዓሳ ነባሪ ክሞቱ እንከለዉ፡ እዞም ዓሳ ነበሪ ብምንታይ ምኽንያት ብኽንድዚ ብዝሒ ናብ ገማግም ተደፊኦም ከምዝወጽኡ ክፍለጥ ኣይተኻኣለን።

ዓሳ ነባሪ ኣነባብርኦም ማሕበራዊ ኮይኑ ብመራሕቲ እናተቐለሱ እዮም ዝኸዱ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ዝነኣሱ ዓሳ ነባሪ እዮም ናብ ደንደስ ተገፊኦም ዝወጽኡ።

እዞም ፒሎት ዝተባሃሉ ዓይነት ዓሳ ነባሪ ክሳብ 7 ሜትሮ ቆመትን ክሳብ ሰለስተ ቶን ክብደትን ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ኣንታርክቲክ መጽናዕቲ ዘካይዱ ኣውስትራልያውያን ተመራመርቲ ቅድሚ ሕጂ ክንድዚ ብዝሖም ዓሳ ነባሪ ኣብ ናብ ገማግም ተገፊኦም ወጺኦም ዝፈልጡ እንተኾይኖም የጽንዑ ከምዘለዉ ገሊጸም።

ኣብ ሳውዘርን ክሮስ ዩኒቨርስቲ ተመራማሪ ዓሳ ነባሪ ዝኾነ ሮፌሰር ፔተር ሃሪሶን “እዚ ቁጽሪ እዚ እቲ ዝበዝሐ እዩ ክኸውን ዝኽእል” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ታስማንያ ኣብ 1935 ኣስታት 294 ዓሳ ነባሪ ናብ መሬት ተገፊዖም ወጺኦም ስለዝነበሩ እቲ ዝበዝሐ ተባሂሉ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ጸኒሑ’ዩ፡ ኣብ 2009 እውን ኣስታት 200 ዓሳ ነባሪ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ኣብ ገማግም ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ገማግም ተገፊዖም ካብ ዝተረኸቡ ዓሳ ነባሪ እቶም 80 ሚእታዊት ኣብ ግዝኣት ታስማንያ እዮም ተረኺቦም።