ኣመሪካ፡ ናብ ኵባ ዝግብር በረራታት ደው ከምዘበለቶ ኣፍሊጣ

ኣመሪካ፡ ናብ ኩባ ዝግብር በረራታት ደው ከምዘበለቶ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ኲባ ጸቅጢ ንምፋጣር ኣብ ሞንጎ ሃገሩን ኵባን ዝግበር በረራታት ደው ክብል ኣዚዙ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፕዮ “መንግስቲ ሃቫና ካብ ቱሪዝምን መጓዓዝያን ዝረኽቦ ኣታዊታት ኣብ ቬነንዝዌላ ምትእትታው ንኽገብር ይሕግዞ’ሎ” ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ብጀካ ናብ ሃቫና ናብ ካልኦት ከተማታት ኵባ ዝግበር በራራታት ደው ክብል ውሳነ ብምሕላፍ ኣብ ተግባር ኣውዒልዎ ጸኒሑ’ዩ።

ኵባ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ቱሪዝም ትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊታት ብኸቢድ ተሃስዩ’ዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኵባን መሻርኽታ ዝኾነት ቬነንዝዌላን ዝውሰንን ዝትግበርን ዘሎ ተሪር ፖሊሲታት ኣመሪካ በቶም ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከቡ ዓቃባውያን ኵባውያን ኣመሪካውያን ዓቢ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ, መኽዘን ሓበሬታ (Blackbox) እንታይ እዩ?

ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝኻየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዓወት ከመዝግበላ ትጽቢት ዝግበረላ ግዝኣት’ያ።

ኣመሪካ ዋላ እኳ ካብ ሃገራ ናብ ኵ ዝግበር በረራታት ደው ክብል ትወስን፡ ሕክምናዊ ንዋት ዝጽዓና ነፈርቲ፤ ንዳህሳስን ዝጠፍኡ ሰባት ንምርካብን ኣብ ምድላይ ዝነጥፋ ነፈርቲ ግን ክበራ ክፍቀደን’ዩ።

ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ኵባን ንልዕሊ 50 ዓመታት ደው ኢሉ ዝነበረ ምንቅስቃስ ነፈርቲ ኣብ ነሓሰ 2016 እዩ ዳግማይ ጀሚሩ።

እንተኾነ ኣብ እዋን መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ እቲ ኣብ እዋን መሪሕነት ባራክ ኦባማ ተስፋ ዘሪኡ ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ርከባት እዘን ሃገራት እናሓርፈፈ ክመጽእ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ክፍሊ መጓዓዝያ ኣሜሪካ ናብ ኵባ ዝግበር በረራታት ኣብ ዓመት ካብ 3600 በራራታት ከይሓልፍ ዘገድድ ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር።