ዙምባብዌ ንጸዓዱ ሓረስቶት እትክሕሶ መጠን ሰልዲ ተሰማሚዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገረ ዙምባብዌ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ መሬቶም ብመንግስቲ ዝተመንዝዑ ጸዓዱ ሓረስቶት 3.5 ቢልዮን ዶላር ክተክሕስ ተሰማሚዓ።
እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ስለዘለዋ፡ ነቶም ጸዓዱ ሓረስቶት ኣብ ዝተናወሐ ግዜ ብመልክዕ ‘ቦንድ’ ከምእትኸፍሎም’ውን ኣፍሊጣ ኣላ።
ማሕበር ሓረስቶት እታ ሃገር እውን ነቲ ናይ መንግስቲ ሓሳብ ብምቕባል እቲ ካሕሳ ኣብ ክንዲ ብመሬት ዝኸውን ብመሳርሕታት ሕርሻን ንሕርሻ ዘገልግሉ ትሕተ ቅርጽን ክኸውን ተሰማሚዑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዙምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ን 4500 ጸዓዱ ሓረስቶት መሬቶም ብምምንዛዕ፡ ነቲ መሬት ን 300 ሽሕ ጸለምቲ ሓረስቶት ከምዝዓደሎ ዝዝከር እዩ።
በዚ ኣብ 2000 ዝተተግበረ ምምንዛዕ ብጸዓዱ ዝውነኑ ዝነበሩ ተሓረስቲ መሬት ቅርታ ዘለዎም ኣለዉ።
ነቲ ኣብ ምዕባይ ዝነበረ ቁጠባ እታ ሃገር ጸሊዩዎ ተባሂሉ'ውን ይንቀፍ እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







