እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ለንደን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም
ኣብ ለንደን፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝድግፉን፡ ዝቃወሙን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኣብ ፊት ቢቢሲ፡ ተቓውምዎም ዘስምዑ ጉጅለ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ፖለቲከኛታት ኦሮሞ፡ ከም በዓል ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ክፍትሑ ጸዊዖም።
እብ ማርብል ኣርች ዝተባህለ ቦታ ዝተኣከቡ ድማ፡ እቶም ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተወለዐ ናዕቢ ብዝተእሓሓዝ ተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ብሕጊ ክሕተቱ ከም ዝጸውዑ፡ ገለ ካብ ኣወሃሃድቲ ተዛሪቦም።
እቶም ዝቃወሙ ዝነበሩ "ፍትሒ ንሃጫሉ" ዝብሉን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጽውዑ ጭርሖታት ብምሓዝ ተቓውሞታቶም የስምዑ ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ኣብ ኣመሪካን ጀርመንን ንቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝድግፈ ሰፊሕ ሰልፊ ተኻይዱ ነይሩ።
እቶም ኣብ ለንደን ኣብ ፊት ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ድምጾም ዘስምዑ ሰልፈኛታት ናብ ካልእ ስፍራ ብምኻድ እውን ተቓውሞኦም ገሊጾም።
ብቕትለት ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቖጥዑ ኢትዮጵያውያን: ኣብ ሓደ ናይ ለንደን መናፈሲ (ፓርክ) ዝርከብ ዝነበረ ሓወልቲ (ምስሊ) ንጉስ ሃይለስላሰ ኣዕንዮም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ መንጎ እቶም ሰልፈኛታት ባንዴራ ክልል ትግራይ ዘንበልብሉ ከም ዝነበሩ'ውን ተፈሊጡ።
ንቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ ኣማኢት ሰባት ሞት ዝኹንኑ፡ ካልእ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን'ውን ኣብ ከተማ ለንደን ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ።
ድሒሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ እቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ለንደን፡ ማርብል ኣርች ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ቅትለት ደው ክብል፡ ነቶም ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ውልቀሳባት ክሕተቱን፡ እቶም በቲ ናዕቢ ዝተፈናቐሉ መንግስቲ ከጣይሶም ዝጽውዕ ምዃኑ ሓደ ካብ ኣወሃሃድቲ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ዓቢ ሰልፊ፡ እቲ እስክንድር ነጋ ይፈታሕ ዝብል ጭርሖ ናይ ውልቀሰባት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘይውክል ተዛሪቡ።
ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳን ማእሰርቲ ውሩያት ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ኣብ መንጎ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ወጥሪ እናገደደ ይመጽእ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኢትዮጵያውያን ንመንግስቲ ኣቢይ ዝድግፉን ዝቃወሙን ኮይኖም ኣብ ሓድሕዶም ተፈላልዮም ኣለው።
እዚ ሞት ኣማኢት ዘኸተለ ጎንጺ ብልቦናን ዘተን እንተዘይተፈቲሑ ከኣ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ከምርሕ ከምዝኽእል ንፖለቲካዊ ምዕባለታት እቲ ዞባ ዝከታተሉ ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ናይ ደገፍን ተቓውሞን ሰልፍታት ከም ዝተኻየደ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ከም ዝተኻየደ ይዝከር።