እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝቐነየ ናዕቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኦሮምያን ከቢድ ዕንወት ኣስዒቡ ተባሂሉ
ንሓርነት ኦሮምያ ዝቃለስ ስሙይ ኢትዮጵያዊ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅትለት ስዒቡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኦሮምያ ዝቐነየ ናዕቢ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዓብዪ ጉድኣት ኣብጺሑ።
ብሓፈሻ ዛጊድ ኣስታት 90 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ ኣሎ። ካብኣቶም፡ እቶም ሰለስተ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ እዮም።
እቶም ዓሰርተ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ ዝተረፉ ድማ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኦሮምያ እዮም ተቐቲሎም።
እቶም ሽድሽተ፡ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣምቦ 'እቲ ኣርቲስት ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ክቕበር ዘለዎ' ኣብ ዝብል ዝተልዓለ ናዕቢ ከምዝሞቱ ሓለፍቲ መንግቲ ይገልጹ።
ስነ ስርዓት ቀብሪ ስነጥበባዊሃጫሉ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተፈጺሙ ኣሎ።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ድማ፡ እቲ ስነስርዓት ቀብሪ ብሰላም ክዛዘም ጻዕሪ ከምዝገበሩ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ጅብሪል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብ ልዕሊ ንብረትከ እንታይ ዕንወት ስዒቡ?
ኣብ ከም ሻሸመኔ፣ ኣዳማን ካልኦትን ከተማታት ኦሮምያ ህይወት ሰብ ካብ ምስኣን ብዝዝለለ ኣብ ልዕሊ ንብረት'ውን ከቢድ ዕንወት ከምዝሰዓበ እቲ ሓላፊ ይዛረብ።
ንኣብነት፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 'ኮንዶሚንየም ኦሮምያ' እናተብሃለ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ፡ ገለ ዝተጎጀሉ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ ሰባትን ንብረቶምን ጉድኣት ከብጽሑ ፈተናታት ተገይሮም ይብል።
እቲ ዝዓነወ ንብረት፡ ናይ መንግስትን ናይ ውልቀን እዩ።
ኮሚሽነር ፖሊስ ኮሚሽን ኣዲስ ኣበባ፡ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይ ውልቀ መኪናታት ምስባርን ምቅጻልን ከምኡ'ውን ስርቅን ዘረፋን ሰፊኑ ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ብሓፈሻ፡ ልዕሊ 250 መኪናታት ከምዝተሰበራን ልዕሊ 20 ድማ መሊአን ብቓጸሎ ከምዝዓነዋን እቲ ኮሚሽነር ኣብሪሁ።
እቲ ዕንወት፡ ብሕሉፋት [ኣኽረርቲ] ክብል ዝኸሶም ጉጅለታት ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ ከተማ ቡራዩ ድማ፡ ገለ ፋብሪካታት ከዕንው ዝፈተኑ ዝተጎጀሉ ሰባት ከምዝነበሩ ሓቢሩ።
እቶም ጉድኣት ዘብጽሑ ውልቀሰባት፡ ኣብ ቀይዲ ይኣትዉ ኣለዉ ድማ ኢሉ።