ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተተኺሉ ዝነበረ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ዓንዩ

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ለንዶን ኣብ ዊምበልዶን ተተኺሉ ዝነበረ ሓወልቲ ንጉስ ኢትዮጵያ ነበር ሃይለስላሰ ዓንዩ።

ነቲ ብሰሉስ ዘጋጠመ ምዕናው እዚ ሓወልቲ ፖሊስ ምጽራይ ይገብረሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ፖሊስ ካብ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብዝረኸቦ ሓበሬታ ነቲ ሓወልቲ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ እኩባት ሰባት ከምዘፍረስዎ ሓበሬታ ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቲ ምፍራስ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ሞት ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይምርግጋእ ምትሕሓዝ ክህልዎ ከምዝክእል ግምታት ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ከተማ ሃረር ዝነበረ ሓወልቲ ኣቡኡ ንንጉስ ሃይለስላሰ ራእሲ መኮነን ወልድ ሚካኤል በቶም ብሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተቆጥዑ ሰባት ካብ ተሰቂልዎ ዝነበረ ከምዝወረደ ይፍለጥ።

ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ እቲ ብቋንቋ ኦሮሞ ዝደርፎ ደርፍታት ኣንጻር እቲ ዝነበረ ስርዓት ብቅሉዕ ብምድራፍ ዓቢ ምንቅቓሕ ብምፍጣር እቲ ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ልውጢ ክውን ንኽኸውን ዓቢ እጃም ከምዝተጻወተ እዩ ዝንገረሉ።

ኣብ ዊንበልዶም ዝነብር ኣንድሩው ሞሪስ ንፕረስ ኣሶሸይት ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕተት፡ ንሱ በቲ እቲ ሓወልቲ ናይ ሃይለስላሰ ተሰቂልሉ ዝነበረ ቦታ ከልቢ ሒዙ እናተዛወረ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ኢዶም ብኦሮሞ ዝተጻሕፈ ጭርሖታት ሒዞም ከምዝረኣየ ይሕብር።

“ካብቲ ቦታ ርሕቅ ምስ በልኩ ነቲ ሓወልቲ እናሃረምዎ እንከለዉ ይሰምዖም ነይረ” ድማ ይብል።

ፖሊስ እቲ ከባቢ ቃል ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይኣኻኽቡ ከምዘለዉ ብምሕባር ክሳብ ሕጂ ምስቲ ምፍራስ ሓወልቲ ተታሓሒዙ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ ከምዘየሎ ገሊጹ።

እቲ ምፍራስ ሓወልቲ ብሰሉስ ብኣቆጻጽራ ለንዶን ሰዓት ሓሙሽተን ዓሰርተን ናይ ምሸት ምንባሩ ክፈልጡ ምኽኣሎም እቶም ፖሊስ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ንጉስ ሃይለስላሰ ገለ ክፋል ኢትዮጵያ ብጣልያን ምስ ተወረረ ኣብ 1936 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተሰዲዱ ኣብ ዊምብልደን እዩ ዝነብር ነይሩ።

ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሰ፡ እቲ ንጉስ ምስ ስድራ ብሂልዳ ሰሊግማን እናነበረ እንከሎ እያ ሂልዳ ሰሊግማን ነቲ ሓወልቲ ጸሪባቶ፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ለንደን ኣብ ዊምበልዶን ተተኺሉ።