እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሱዳን፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፡ ኣብ ዝፈተላለያ ከተማታት ሱዳን፡ ዓብዪ ፖለቲካዊ ለውጢ ዝጠልብ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ከምዘለው ተገሊጹ።
እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዑመር ኣልበሺር ዝኣለየ ዕላማ ህዝባዊ ተቃውሞ፡ ሽትኡ ንኽወቅዕ ዝዓለመ ምዃኑ ኣዋሃሃድቲ ናይቲ ሰልፊ ይገልጹ።
ኣብ ከተማ ካርቱምን ከባቢኣን፡ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ከምዘለውን፡ ናብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዘምርሕ መገዲ ዓጺዮምዎ ከምዘለውን ተገሊጹ።
እቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ካርቱም ኮይኖም፡ ጭርሖታት ከስምዑ፡ ባንዴራታት ከንበልብሉን ፍትሒ ክሓትቱን ተራእዮም።
እቲ ተቓውሞ፡ ምስ’ቲ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ዘውረደ ህዝባዊ ምልዕዓል ከምዝመሳሰል’ውን ተገሊጹ።
እቲ ንነዊሕ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ብሰራዊት ተገዲዱ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019፡ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ሱዳን ኣብ ቊጠባውን ፖሎቲካውን ደልሃመት ተሸሚማ ትርከብ።
ማሕበር ሞያተኛታት ሱዳን ዝመርሖ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላይ፡ ናይ መሰገጋሪ መንግስቲ፡ ሲቪላዊ ምምሕዳርን ሓጋጊ ባይቶ ክቐውምን ክጠልብ ጸኒሑ እዩ.
እንተኾነ ግን፡ ሱዳን፡ ነዚ ፖለቲካዊ ለውጥን ሲቪላዊ ምምሕዳርን ከተማልእ ዘይምኽኣላ ንብዙሓት ኣሻቒሉ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣገደስቲ ለውጥታት ከምዝገበር ተመባጺዑ’ሎ።
ንሱን ካልኦት መራሕቲ ሱዳንን፡ ኣብታ ሃገር ርኡይ ለውጢ ከምጽኡ ጸቕጢ ይግበረሎም ኣሎ።
ኣብታ ሃገር እኹል ቀረብ መግብን ሃለኽትን ከምዘየለን፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ድማ ከባቢ 500 ሰባት ሞይቶም ከምዘለውን ይግለጽ።