ኣብ ለንደን ምስ እዋን ጊላነት ምትእስሳር ዝነበሮም ሓወልትታት ይእለዩ ኣለው

ሓወልቲ ሚሊጋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምስ ስርዓት ንግዲ ባርያ ምትእስሳር ዝነበሮ ሚሊጋን ንመዘከርትኡ ዝቖመ ሓወልቲ

ኣብ ከተማ ለንደን ኣንጻር ዓሌታውንት ኣብ ዝግብር ዝነበረ ሰለማዊ ስልፊ ኣብ ፊት ቤተ መዘክር ለንደን ኮክላንድ ዝነበረ ሓወልቲ ሮበርት ሚሊጋን፡ ባራዩ ይውንን ነይሩ እዩ ብምባል ከምዝእለ ተገይሩ።

ኣቀድም ኣቢሉ ኣብ ከተማ ለንደን ምስ እዋን ጊላነት ምትእስሳር ዘለዎ ኣስማት ጎደናታትን ሓወልትታትን ዳግመ ግመት ክግብረሎም ዝጽውዕ ጥርዓናት ክቐርብ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣብ ብሪስቶን ኣንጻር ዓሌታውንት ሰለማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ሓወልቲ ነጋዲ ገላዩ ዝነበረ ኢድዋርድ ኮልስቶን ካብ ቦትኡ ነቂሎሞ እዮም።

ሓወልቲ ናይ ሮበርት ሚሊጋን ዝተኣለየሉ ቀንዲ ምኽንያት እውን ድሌት ናይ ሰባት ኣብ ቀዳምነት ብምሃብ ምኳኑ ማሕበር ካናል ኤንድ ሪቨር ትራስት ሓቢሩ።

እቲ ሓወልቲ ብሓገዝ ማሽነሪ ካብቲ ተተኺልዎ ዝነበረ ቦታ ክእለ እንከሎ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ሓጎሶም ገሊጾም።

ምምሕዳር ቤተ መዘክር ለንደን ዶክላንድስ ሓወልቲ ናይቲ ኣብ ጀማይካ 526 ገላዩ ዝነበረዎ ብርጣንያዊ ሮበርት ሚሊጋን ኣብ ኣፍደጊኡ ንነዊሕ ዓመታት ተተኺሉ ምንባሩ ምችኡነት ይፈጥረሉ ከምዘይበረ እዩ ዝገልጽ።

Sir Winston Churchill statue

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, A statue of Sir Winston Churchill was sprayed with graffiti during a Black Lives Matter protest

እቲ ቤተ መዘክር "እዚ ቤተ መዘክርና እዚ ሓወልቲ ናይቲ ቀደም ንጸዓዱ ናይ ቀዳምነት ቀዳምንት ዝህብ ዝነበረ ስርዓታት ከም መቀጸልትኡ ኮይኑ ነቶም ገና ንመሰሎም ዝቃለሱ ዘለዉ ንድሕሪት መሊሱ ሚሊጋን ዝፈጸሞ ኢሰብኣዊ ተግባራት እዩ ከዘክሮም ጸኒሑ" ኢሉ።

ሓወልቲ ሮቦርት ሚሊጋን ካብ ዝነበሮ ቦታ ክወርድ እንከሎ ተኣከቡ ዝነበረ ህዝቢ ሓጎሱ እንትገልጽ፤ ኣብ ኣፍደገ ኮሌጅ ኦክስፎርድ ዝተኣከቡ ሰባት'ውን ሓወልቲ ናይ ሃጸይ ሰሲል ርሆድስ ካብቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ክወርድ ይጠልቡ ነይሮም።

ከሃን ዝተብሃለ ተቐማጢ ከተማ ለንደን "ከተማ ለንዶን ምስቲ ገለ ምስ እዋን ጊላነት ዝተሓሓዝ ምቹኡነት ዘይፈጥር ሓቂ ትፋጠጥ ኣላ" ይብል።

ከሃን ብምስዓብ "ከተማ ለንደን ብዝሓነት ዘለዋ ከተማ እያ እንተኾነ ምስዚ ሕጂ ዝተበገሰ ምንቅስቃ 'ብላክ ላይቭ ማተርስ' ኣስማት ጎደናታታ፤ ሓወልትታትን ካልእን ንልዕልና ብርጣናያውያን ዘንጸባርቑ እዮም፡ ንጸለምቲ ሰባት ከም ኣቅሓ ዝሸጡን ዝልውጡን ሓወልቲ ተሰሪሕሎም ክትርኢ እንከለኻ ድማ ካብዚ ዝኸፍእ ነገር የለን" ይብል።

ብምስዓብ " ሕጂ ምልስ ኢልና ክንርእዮ እንከለና ከተማ ለንዶን ኣብ እዋን ጊላነት ዝነበራ ኣበርክቶ ኢና ክንርዳእ ንኽእል" ድማ ይብል።