ሕሙማት ኮሮናቫይረስ እትሕክም ኣሜሪካዊት ዶክተር ነፍሰ-ቅትለት ፈጺማ

ምንጪ ስእሊ, DR LORNA BREEN / FACEBOOK
ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ኣብ ዝተጠቕዐት ከተማ ኒውዮርክ፡ ኣብ ቅድሚት ተሰሊፋ ኣንፃር ኮሮናቫይረስ ትሰርሕ ዝነበረት፡ ዶክተር፡ ነፍሰ-ቅትለት ፈጺማ።
ኣብ ኒውዮርክ ማንሃተን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ፕሪስቢቴሪያን አለን ትሰርሕ ዝነበረት፡ ጓል 49 ዓመት ዶክተር ሎርና በሬን፡ ዳይሬክተር ክፍሊ ጥቡቅ ክትትል ሕክምና እያ ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ድማ፡ ንባዕላ ብምጉዳኣ፡ ህይወታ ከምዝሓለፈት ፖሊስ ገሊፁ።
ወላዲኣ ዶክተር ፊሊፕ በሬን፡ " ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ስርሓ ክትሰርሕ እያ ፀኒሓ፤ ስርሓ ግና በዚ ኣብቂዑ" ክብል፡ ንኒውዮርክ ታይምስ ተዛሪቡ።
ዶክተር ሎርና በሬን፡ ምስ ስድርኣ ኣብ ትነብረሉ መንበሪ እያ ሞይታ ተረኺባ።
ኣብ ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ካብ ሞንጎ ዝተለኸፉ ሐደ ሚልዮን ሽሕ ሰባት፡ እቶም 162000 ኣብ ኒውዮርክ እዮም።
ቅድሚ ሕጂ ጓሉ ነዚ ዘብቅዕ ሕማም ኣእምሮ ከምዘይነበራ ዝገለፀ ዶክተር ፊሊፕ በሬን፡ ንግዳያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ትሕክመሉ ግዘ፡ ንባዕላ እውን በቲ ቫይረስ ተለኺፋ ከምዝነበረትን፤ ንሓደ ሰሙንን ፈረቓን ምስተወሸበት፡ ሓውያ ናብ ስርሓ ተመሊሳ ከምዝነበረት ሓቢሩ።
ይኹን'ምበር እቲ ትሰርሐሉ ሆስፒታል፡ ብሽምገላ ስድርኣ ናብ ሻርለትስቪል ቅድሚ ምምላሳ፡ ናይ ዕረፍቲ ግዘ ክትወስድ ከምዝገበረ ተዛሪቡ።
ንመወዳእታ ግዘ እንተዛርባ፡ ኣብ ጓሉ ናይ "ተነፅሎ" ኩነታት ከምዝተዓዘበን፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ካብ ዝመፅእሉ ኣምቡላንስ እኳ እንከይወረዱ፡ ብኸመይ ህይወቶም ይሓልፍ ምንባሩ፡ ከምዝነገረቶ፡ ዶክተር ፊሊፕ በሬን ገሊፁ።
"ጓለይ፡እቲ ሕማም ንምምካት ኣብ ዝነበረ ዕርዲ፡ ብሓቂ ኣብ ቅድሚት እያ ተሰሊፋ ነይራ" ብምባል ናይ ጓሉ ግደ ዝተዛረበ ዶክተር ፊሊፕ፡ ጅግና ተባሂላ ንክትዝከር ከምዝገብር ድማ ገሊፁ።
ሓቀኛ ክርስትያንን ፈታዊት ስድራኣን ዝነበረት ዶክተር ሎርና፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዘ ናብ ማእኸል መሐብሐቢ ኣረጋውያን፡ ብምኻድ ሰናይ ተግባር ትፍፅም ነይራ።
ኣብ በረድ ምንሽርታት ውልፍቲ ዝነበረት ዶክተር ሎሮና፡ ሳዕስዒት 'ሳልሳ' እውን ትፈቱ ነይራ።
ትሰርሐሉ ዝነበረት ሆስፒታል ፕሪስቢቴሪያን አለን፡ "ኣብዚ በዳሂ እዋን፡ ንህጹጽ ክፍሊ እቲ ሆስፒታል፡ ብብቕዓት ተገልግል ዝነበረት ጅግና" ክብል ንኢድዋ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







