ኣብ ኢትዮጵያ ሸውዓተ መናእሰያት ኣብ ቤተክርስትያን ሞይቶም ተረኺቦም

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቕ ሸዋ፡ ወረዳ ኣዳማ፡ ዮሃንስ ዲቢቢሳ ኣብ ዝበሃል ቤተክርስትያን፡ ብቀዳም ምሸት ሸውዓተ መናእሰያት ኣብ ቤተክርስትያን ሞይቶም ከምዝተረኸቡ ኣዛዚ ፖሊስ ኣዳማ ኮማንደር ተስፋዬ ኢታና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኮማንደር ተስፋዬ ከምዝበሎ፤ ካብቶም ሞይቶም ዝተረኸቡ መናእሰያት እተን ሽድሽተ ደቂኣንስትዮ እቲ ሓደ ተባዕታይ እዮም።

እዞም መናእሰያት፡ ናይቲ ቤተክርስትያን መዘምራን ክኾኑ እንከለዉ፡ ድሮ በዓል ፋሲካ ከብዕሉ ናብታ ቤተክርስትያን ከምዝኸዱ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ተዛሪቡ።

እዞም ናይታ ቤተክርስትያን ኣገልገልቲ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ለይቲ ሰዓት ሾመንተ (ሰዓት ክልተ) ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝርከብ ሓደ ክፍሊ ደቂሶም ነይሮም ይብል ፖሊስ።

ለይቲ ሰዓት ትሸዓተ (ሰለስተ) ድማ ብዛዕባ ሞት ናይቶም መናእሰይ ፖሊስ ሓበሬታ ምስረኸበ ናብቲ ቦታ ከምዝኸደን እተን 6 ደቂኣንስትዮ ህይወተን ሓሊፉ ከምዝጸንሖም፡ እቲ ሓደ ተባዕታይ ድማ ናብ ሕክምና ምስተወሰደ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ኮማንደር ተስፋዬ ገሊጹ።

መንቀሊ ሞቶም ንምፍላጥ ድማ፡ ኣስከሬን ናይቶም መወትቲ ንተወሳኺ ምርመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተልኣኸ ዝገለጸ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ፡ እቶም መናእሰይ ዝደቀስሉ ክፍሊ ጀነሬተር ዝቕመጠሉ ክፍሉ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብምኽንያት ዝናብ ድማ ነቲ ክፍሊ ዓጽዮምዎ ነይሮም ክብል ተዛሪቡ።

ኩሎም እቶም መናእሰይ ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ምዃኖምን፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ገበን ዝተኣሳሰር ጸገም ከምዘየለን'ውን ተዛሪቡ።

ፖሊስ ናብቲ ቦታ ምስበጽሐ፡ ምጽራይ ንምግባር ኣብታ ቤተክርስትያን ንዝነበሩ 11 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኮማንደር ተስፋዬ ይገልጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት፡ ኣብ ናይ ሃይማኖት ቦታታት ሰባት ከይእከቡ ምኽልካሉ ዝዝከር እዩ።