እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ብዓርሰ ተበግሶ ዘሕልፉዎም ዘለው መልእኽታት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ
ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ኪነጥበብ፡ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ግንዛበ ንምዕባይ ብተንቀሳቃሲ ምስሊ መልእኽቲ ብምቕራጽ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርግሑ ኣለው።
ኣባል እዚ ምንቅስቓስ ዓርሰ ተበግሶ ዝኾነ በዓል ሞያ ፊልሚ ክብረኣለም ፋንታ፡ እቶም ዝዳለው ዘለው መልእኽታት፡ "ኢድ ኣይንሃብ፤ ኢድ ንንሳእ" ከምኡ'ውን "ሓቢርና እምበር ንብሕትና ኣይንድሕንን" ዝብሉ መልእኽታት ዝሓዙ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ዝተዳለው ምስሊታት ምኻኖም ገሊጹ።
እዚ ብዝተፈላለዩ ማህበራዊ መራከቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ መልእክቲ ምዕባይ ግንዛበ፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ፣ ትግርኛ፣ ኦሮምና፣ ሲዳምኛን ጌድኦን ከም ዝተሰርሐ ተሓቢሩ።
እዞም ሰብ ሞያ፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ተጠቒሞም መልእኽቲ ንምሕላፍ ከም ዝፈተኑ ብምግላጽ፡ እዚ ግን እኹል ከም ዘይኮነ ክብረአለም ተዛሪቡ።
ብርክት ዝበሉ ሰባት ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ሓበሬታ እንተሃለዎም'ውን ዕሽሽ ናይ ምባል ዝንባለታት ከም ዘለው ዝጠቅስ ክብረኣለም፡ ተሞኩሮ ካልኦት ሃገራት ብምውሳድ ዝተፈላለዩ ግጉያት ርድኢታት ንምውጋድ ሓበራዊ ስራሕ ከም ዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።
ካብ ገለ ሰባት፡ ኮሮናቫይረስ ንኣፍሪቃውያንን መናእሰይን ኣይለክፍን ዝብሉ ርኢይቶታት ከም ዝሰምዐ ዝዛረብ ኣክሊሉ ገብረመድህን ዝተብሃለ በዓልሞያ ኪነጥበብ፡ መልእኽታት ምክልኻል ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ብልቢ ኣብ ብምውሳድ ድሩትነት ከም ዘሎ ይገልጽ።
እዚ ግጉይ ርድኢት ድማ ብቕልጡፍ ክእረም ከም ዘለዎ የገንዝቡ።
ኣብዚ እዋን፡ ምስማዕ ንዝተስኣኖም ሰባት ዝሕግዙ መልእክታት ብናይ ምልክት ቋንቋ የዳልው ከም ዘለው ዝገልጹ እዞም ሰብ ሞያ፡ ኩሉ ሰብ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት እታ ሃገር ግንዛበ ዘጨብጡ መልእኽታት ብምስራሕ እጃሙ ከበርክት ጸዊዖም።