ኣውስትራልያ፡ ሰለስተ ቆልዑት ኣብ ኣሰቃቒ ባርዕ ሓዊ መኪና ተቐቲሎም

ካምፕ ሂል ብሪስበን ፖሊስ ኣብ ከባቢ እታ ዝተቓጸለት መኪና

ምንጪ ስእሊ, ABC NEWS/ LEXY HAMILTON-SMITH

ኣብ ከተማ ብሪስበን ኣውስትራልያ፡ ሰለስተ ቆልዑ ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ዝነበሩላ መኪና ብምቅጻላ ብኣሰቃቒ መገዲ ከምዝሞቱ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ኩሎም እቶም ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ሞይቶም ከም ዝረኸብዎም ተገሊጹ።

ምስቶም ግዳያት ሌላ ከም ዝነበሮ ዝተገለጸ ሰብኣይ'ውን ክመውት እንከሎ፡ ሓንቲ ከቢድ ሓደጋ ምንዳድ ዘጋጠማ ሰበይቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዳ ኣላ።

ነቲ ጉዳይ ዝምርምሮ ዘሎ ኢንስፔክተር ማርክ ቶምፕሰን ንጋዜጠኛታት ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ነቲ ኩነታት "ዘሰቅቕ ፍጻመ" ክብል ገሊጹዎ።

"እቲ መርመራ ኣብ መባእታዊ ደረጃ እዩ ዘሎ፤ ፖሊስ ናብቲ ስፍራ ክበጽሑ ከለው ግና እታ መኪና ምሉእ ብምሉእ ብሓዊ ትቃጺላ ነይራ" ኢሉ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ነቶም ግዳያት ክሕግዝ ዝፈተነ እሞ ገጹ ብሓዊ ዝተቓጸለ ሰብ ከም ዝሓከሙን ናብ ሆስፒታል ከም ዝወሰድዎን ተገሊጹ።

እቶም ኣብታ መኪና ዝነበሩ ግዳያት ነበርቲ እቲ ከባቢ ምዃኖም ኢንስፔክተር ቶምፕሰን ኣረጋጊጹ።

እታ ሰበይቲ ብሓዊ እናተቓጸለት ካብታ መኪና ዘሊላ ብምውጻዕ "በንዚና ክዒዩለይ" እናበለት ተእውይ ከም ዝነበረት ሓደ ምስክር ንጋዜጣ ዘ ኣውስትራልያን ተዛሪቡ።

ፖሊስ መንንት እቶም ግዳያት ንምልላይ ግዜ ከም ዘድልይ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ፍጻመ ዓመጽ ስድራቤት እንተኾይኑ ንዝቐረበሉ ሕቶ ግን ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post