እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዛንታ ናይ ሓንቲ ግዳይ ሕማም መንሽሮ ዝኾነት ኤርትራዊት ስድራቤት
"እሞ ኣብዚ ዝገበርናዮ መርመራ፡ ክንጽረልና እንደልዮ ነገር ስለዘሎ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ኣብዚ ምሳና ክትድቅስ ኢኻ" ምስ ተበሃልኩ ልበይ ምሽት ኢላ ሰንቢደ። ግን ከኣ ንዝመጽአ ነገር ካብ ምግጣም ካልእ ምርጫ ኣይነበረንን - ንጽሕፍቶይ ይገጥሞ ኣለኹ።
ቅድሚ ሓያሎ ኣዋርሕ ስሩዕ ሕክምናዊ መርመራ ክገብር ናብ ሆስፒታል ከይደ፡ ዝተሓተትኩዎ ደምን፡ ሽንትን፡ ንላባራቶሪ ሂበ፡ ምስቶም ኣብ መጸበይ ክፍሊ ዝነበሩ ሰባት ውጺአተይ እጽበ ነበርኩ።
ተርታይ በጺሑ ተጸዊዐ ናብ ሓኪመይ ምስ ኣተኹ፡ ብፍሕሹው ገጽን ቃልን "ኣብ ደምካ ብዙሕ ዘይነጸረልና ነገራት ስለዘሎ ንሓደ ሳልስቲ ኣብዚ ሆስፒታል ክንሕዘካ ኢና" ምስበለኒ፡ ከምዚ ንቕሎኻ በጺሑ'ዩ እሞ ምስ ነብስኻ ተሓሳሰብ ዝበሃል ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ፡ ደንዚዘ፡ ቀልጢፈ ኣይመለስኩን።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስድራይ ዘጋጠመ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ስለዝነበረኒ፡ እቲ ዝሓለፈ እናተራእየኒ፡ "እንታይ ድኣ ረኺቦሙለይ ኮይኖም እዮም? እንታይ እየ ኮይነ" ኢለ ተጨነቕኩ። ስምባደይ ዘስተብሃለ ሓኪመይ "ኣጆኻ ብዙሕ ዘጨንቕ ኣይኮነን። ብዝያዳ ክንጽረልና ስለዝደለና ኢና። ጽባሕ ክምለስ እየ እንተይልካ እውን ትኽእል ኢኻ" ክብል ኣፋኾሰለይ - ግን ኣይቀሰንኩን።
ኣብዛ ሕክምና ዝገብረላ ዘለኹ ሆስፒታል፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ በዓልቲ ቤተይ ንነዊሕ እዋን ብሕማም ካንሰር ክትሳቐ ድሕሪ ምጻናሕ ምኽኣል ስኢና ተሰኒፋ ብሞት ተፈልያትና እያ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይነ ንበይነይ'የ ደቀይ ዝኣሊ ዘለኹ።
ግደ ሓቂ ንሳ እያ ካብ ቑልዕነቶም ኣትሒዛ ኩለንትናኦም እናተኸታተለት አዕብያቶም። ጉዳይ ናብራ ኮይኑ ብደገ እምበር ኣብ ቤትሲ ክንድቲ ኽገብሮ ዝግበኣኒ ኣይደገፍኩዋን። ብቐንዱ እውን ስግኣትን ስደትን ንነዊሕ እዋን ፈላልዩና'ዩ።
ድሕሪ ክንደይ ገልጠምጠም፡ ድሕሪ ክንደይ ጻዕርን ፈተናን ኢና ቅድሚ ሒደት ዓመታት ተጠራኒፍና። ቖልዑ ዝገደፍኩዎም ደቀይ ብስነ-ምግባርን ሞራልን ሃኒጻ አዕቢያን ኣጎቢዛን ተጸምቢራትኒ። ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ሃገረ ስደትና ብደቅና ማᎁቕና ክንነብር እናተጸበና ግን ዘይሓሰብናዮ ኣጋጢሙና።
ሓደ እዋን፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ናተይ ስሩዕ መርመራ ክንገብር ናብ ሕክምና ምስ ከድና "ኣብዚ ከባቢ ጡብኪ ገለ ነገር ንርኢ ስለዘለና ፍሉይ መርመራ ክንገብር ኢና" እዮም ኢሎማ ንበዓልቲ ቤተይ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ካባቢ ጡብ ተራእዩ ዝበሃል ነገር ምስ ሕማም መንሽሮ ስለዝተኣሳሰር ሰንቢድና። ኣብ ሳልስቱ ኣቢሉ ከኣ እዝግሄርና ኣሚንና ውጽኢት መርመራና ክንሰምዕ ኣብ መዓልቲ ቖጸራና ተረኸብና።
እንተኾነ ከኣ ካብ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን። እቲ ኣብ ከባቢ ጡብ ተራእዩ ዝበሉዎ ነገር፡ ካንሰር ምዃኑ ሓቢሮሙና። ክልቴና ርእስና ሒዝና ሰምቢድና። በዓልቲ ቤተይ "እውይ ኣነ ደቀይ!" ኢላ ተኾርምያ ነቢዓ። ኣነ እውን ቀዚዘ። እቶም ሓካይም፡ "ኣጆኹም እኹል ሕክምና እኮ ኣሎና። እቲ መድሃኒት ብዝግባእ እንተወሲድክዮ ክትሓውዩ ኢኺ። ልዕሊ ኩሉ ሞራል እዩ ዘድሊ" ኢሎም ኣተባቢዖሙና።
ኣነ ከኣ ካብ ስምባደይ ተበራቢረ፡ ብዓቕመይ ኣጆኺ ፍትውተይ፡ ፈጣሪ እንከሎ ሰብ እንታይ ዓቕሚ ኣለዎ። ከም ቀደምና፡ ነቲ ካብ ኩሉ ጸገምን መከራን ኣውጺኡ ንዝኣኻኸበና ኩሉ ዝከኣሎ ፈጣሪና ንእመን - ኣጆኺ ቅንዒ!" ክብል ኣጸናኒዐያ። ንሳ ግን ብኽያት ኣየቋረጸትን። ከም ሕሱም ነቢዓ። ንዝሃበካ ምቕባልን ምግጣምን እምበር ነቢዕካ ኣብ ዝእቶ ስለዘይነበረ ንዝመጽኣና ገጢምናዮ።
በዓልቲ ቤተይ ብሌን፡ (ብሌን ተራኺ ዝመረጾ ስም እዩ) እናተመላለሰት ዝተኣዘዘላ መድሃኒት ኬሞ-ቴራፒ ክትወስድ ጀሚራ። ኬሞ ተራፒ ዝበሃል ዓይነት ሕክምና ነቶም ጥዑያትን ሕሙማትን ዋህዮታት ሰብነትና አሕቢሩ ዘዕኑ ብርቱዕ መድሃኒት ምዃኑ ገለ ቑሩብ ኣንቢበ ኣዋህሊለ እየ።
ግን ስግኣተይ ኣብ ውሽጠይ ገይረ ንበዓልቲ ቤተይ ኣብ ምጽንናዕ ኣትየ። ብዓቕመይ ኩሉ እየ ዝገብር፡ እቲ ብዙሓት ሰብኡት ሓበሻ ዘይንገብሮ ስራሕ ክሽነ ኣነ ከም መዘናግዒ እየ ዝወስዶ። መግቢ ደቅናን ስድራን ከዳሉ እኸእል እየ። በዚ ኸኣ ብሞራልን ተግባርን ኪድግፋ ፈቲነ።
መድሃኒት ካብ እትጅምር ክሳብ ተዳኺማ ትፍለየና ሓሙሽተ ዓመት ብቓልስን ተስፋን ጸኒሕና። ንሓንሳብ ፍኹስ ይብላ እሞ፡ ሕጅስ ሓውያ ሒሹዋ እዩ እናበልና፡ እንደገና ኣብ ገለ ክፋል ኣካላታ፡ በዚኣ እውን ንእሽተይ ምልክት ተራእያ ኣላ ይብሉና'ሞ ኩርምይ ንብል - ዘሕለፍናዮ ጸገምን ሽግርን ንጸላኢኻ እውን ኣይትምነየሉን ኢኻ።
ኮይኑ ከኣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኮነ ተባሂልና። መቸም፡ እትፈትዎን ተፍቅሮን፡ ጸግዐይን ጽላለይን እትብሎ፡ እትኣምኖ ዓንዲ ካብ ጎድንኻ ክፍለየካ እንከሎ ከቢድ እዩ። ዝፈተኖ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ። ብሌን ከኣ በዓልቲ ቤተይን ኣደ ደቀይን ጥራሕ ኣይነበረትን።
ብሌን ማለት ዓንዲ እያ። ክንዲ ሓው ክንዲ ሓፍቲ፡ ክንዲ መሓዛን ዓርክን፡ ክንዲ ኣቦን ኣደን፡ መማኽርቲ መዛትይቲ፡ ፈቃር ሕያወይቲ፡ ጻዕራም ሰራሕተኛ፡ ዋላ እውን እቲ ከቢድ ሕማም ሒዙዋ እንከሎ ዘይትንብርከኽ፡ ዘይትደንን ጽንዕትን ጸዋርን ሰብ እያ።
ንሓደ ስድራ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክፍለዮ እንከሎ ምድረ ሰማይ እዩ ዝጽልምቶ። ንዓና እውን ብርሃን ብሌን ስለዝጎደለና ጸልሚቱና ግን ከኣ ብሓይሊ ፈጣርን ደገፍ አሕዋትን ፈተውትን ነቲ ዘይተርፍ ህይወት ዓለም ንቕጽሎ ኣሎና
ንብሌን ካብ እንፋነዋ ኣብ ሳልሳይ ዓመትና እዩ ዝኸውን ዘሎ፡ ፕሮስተይት ካንሰር ከምዘሎኒ ዝንገር ዘለኹ። ሓካይመይ እቲ ምልክት ከይዓበየን፡ ናብ ካልእ ኣካላት ከይተዘርአን እንከሎ ከነርክብ ኣሎና ኢሎም ነቲ ዝእለ ብመጥባሕቲ ኣልዮሙለይ።
ክሳብ ሕጂ ከኣ ኬሞ ቴራፒ እናወሰድኩ፡ እንተኾነ እሓውን እድሕንን ካብኡ ተረፈ ከኣ መዓስ እምበር ሰብ ሞቱ ስለዘይተርፎ ነዞም ደቀይ ኣሰጉም ከብሎም ዕድመ ክህበኒ እናተተስፈኹ እነብር ኣለኹ።
ሰንቢድካ፡ ተኾርሚኻ፡ ፈሪሕካ፡ ተሸቁሪርካ ዝግበር ነገር የለን። ንኹሉ ከከም ዝመጽኦ ምግጣሙ እዩ።
ኣብ ሆስፒታል ምስ ደቀስኩ ካባይ ንላዕሊ ንደቀይ እዩ ከፊኡዎም። "ደሓን ዲኻ፡ ደሓን ድዩ ኣቦይ፡ እንታይ እዩ ኮይኑ?" ክብሉ ኩሎም ተጨኒቖም። ኣብዚ ዘለውዎ ዕድመ ኸኣ ብዝኾነ ነገር ከተዕሽዎም ኣይእትኽእል ኢኻ። ደሮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሑ ኣንቢቦም ዝመራመሩ፡ ሓቲቶም ክፈልጡ ዝጽዕሩ፡ ትኩራትን በላሕትን እዮም። ስለዝኾነ ኣቕልል ኣቢለ እየ ነጊረዮም።
እንተኾነ በዲኦም ስለዝተዳህሉ ሰምቢዶም፡ "ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ኣምላኽሲ እንታይ ኢና ገይርናዮ" ኢሎም ተጸሊሎም፡ በኽዮም። ምኽንያቱ ገና ምስሊ ኣዲኦም ካብ ዓይኖም ኣይተፈልየን። ኩሉ ግዜ እዮም ዝዝክርዋ፡ ኩሉ ግዜ ነልዕላ ምኽንያቱ ኣብ ቤትናን ልብናን ስእላን ምስላን ኣሎ። ብሌን ምቕልልትን ሕያወይትን ስለዝነበረት ኣብ ልቢ ኩሎም ፈተውታን ኣድነቕታን ኣላ።
ደጊም ኬሞ ተራፒ ወዲአስ ሓካይመይ "ዕድለኛ ኢኻ ኣብ ኩሉ ክፍልታት ኣካላትካ ምልክት ናይዚ ሕማም የሎን። ተስፋ ንገብር መወዳእታና ክኸውን" ኢሎም ንጽንዓተይን ኣዎንታዊ ኣተሓሳስበይን ኣመስጊኖም ኣፋንዮሙኒ ኣለው።
ኣብዛ ዓለማዊት መዓልቲ እዚ ሕማም ከኣ ንኹሎም እቶም እናደወሉን ብኣካል መጺኦም ዘተባብዑንን ዘጸናንዑንን፡ መሓዙተይ፡ እዕሩኽተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጾተይ፡ ኩሎም ዝቀርቡኒ ዘበሉ ዝህቡኒ ተስፋን ምጽንናዕን ስንቂ ስለዝኾነኒ - የቐንየለይ እብሎም።
እዛ መዓልቲ እናኽትመጽእ፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ በዛ ሕማም ዝተተንከፈ፡ ዝተጠቕዐ፡ ኣቡኡ- ኣዲኡ፡ ሓዉ - ሓፍቱ፡ ውላዱ - ብጻዩ፡ ዝሓመሞ፡ ወይ ብሞት ዝተፈልዮ ዘበለ ብስቓይ ዝዝክራ ዕለት እያ።
ምናልባት እውን ብዙሓት ከምዚ ከማይ፡ ካብዛ ሕማም እዚኣ ተናጊፎም፡ ንፈተናኣ በዲሆም ስዒሮም፡ ጠጠው ዝበሉ ሰባት ከኣ ኣፍልጦ እቲ ሕማምን ተመኩሮኦምን ክነግሩ ይዝክሩዋ እዮም።
ኣነ ከኣ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ዕድል ገይረ ካብቲ ሕማም ጸርየን ጸፊፈን ብምውጽአይ፡ ልዕሊ ኹሉ ንልዑል ፈጣሪ ኣብ ትሕቲኡ ከኣ ንሓካይመይን ንኹሎም እቶም ኣብ ጸገመይ ተስፋ ዝሃቡኒ፡ ዘጸናንዑኒ ፈተውተይ ኣመስገንኩ፡ ጽሕፍቶን ዕድልን ንዘጽንሓ ህይወተይ ደቃ ከተዕብን ኣብ ዝብጻሕ ከተብጽሕ ዕድል ስለዝረኸበት ደጊም ንፈጣሪ አመስግን - ሓውኹም እየ።