ኤርትራ ካብ ዝርዝር እገዳ መገሻ ትራምፕ ክትወጽእ ምሕጽንታ ቀሪቡ

ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን፡ ኤርትራ ካብ መዝገብ 'እገዳ መገሻ ትራምፕ' ክትወጽእ ዝጠልብ ጥርዓን ብምዝርጋሕ ፌርማታት ይእክብ ኣሎ።

እቲ ማሕበረሰብ፡ 'ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር እገዳ መገሻ ከውጽኣ ይግባእ' ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝዘርግሖ ምሕጽንታ፤ ኤርትራ ኣብ ዝርዝር እቲ እገዳ መገሻ ተኻቲታ ምህላዋ ከም ዘጉሓዮ ሓቢሩ።

"ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንግብረሽበራ ኣበርቲዑ ብምቅላሱ፡ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላማዊት ሃገር" ኮይና ምህላዋ ዝገልጽ እቲ ምሕጽንታ፥ እቲ እገዳ መገሻ ዘይምኽንያታዊ ምዃኑ ይሕብረ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኤርትራ ንእትርከበን ሸውዓተ ሃገራት እገዳ መገሻ ከንብረለን ይዳሎ ከምዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ምጽብጻበን ዝዝከር'ዩ።

ዛጊት ምምሕዳር ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እገዳ ዝርዝራዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃበ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዳቮስ፡ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝነበሮ መገሻ፡ ገለ ሃገራት ኣብቲ ካብ 2017 ጀሚሩ ዝጸንሐ እገዳ መገሻ ክውሰኻ፤ ውጥን ምህላው ገሊጹ እዩ።

ኣብቲ እማመ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ናይጀርያ፡ ቤላሩስ፡ ኪርጊስታንን ማያንማርን ከም ዝርከባ ነቲ ንድፊ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን፡ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ንጡፍ ኣባል ኢብራሂም ዓብደልኑር ኢብራሂም ብዛዕባ እቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ጥርዓን ከብርህ ከሎ፥ "ውሕጅ ከይመጸ መገዲ ውሕጅ ጽረግ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ" ይብል።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሒደት መዓልትታት ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ንኣሜሪካ ካብ ግብረሽበራ ንምክልኻል ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሃገራት ናይ መገሻ እገዳ ኣንቢሩ ነይሩ።

ኣሜሪካ ነዚ ሓድሽ እገዳ መገሻ ተንብረሉ ዘላ ምኽንያት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፤ ኤርትራ ብጉዳይ ግብረ ሽበራ እትለዓል ሃገር ከም ዘይኮነት ኢብራሂም ይገልጽ።

"ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓርብን ትጻወቶ ዘላ ናየ ሰላም ተራ ኣጠቓሊለካ ክትርእዮ ከሎኻ፤ ኤርትራ ብግብረሽበራ እትሕመይ ሃገር ዘይኮነት፡ ኣብ ሰላም እትዋሳእ ሃገር እያ" ብምባል ናብቲ ዝርዝር ክትካተት ከም ዘይግባእ ሓቢሩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ወጢንዎ ዘሎ እገዳ ዝርዝር መብርሂ ብዘይ ምሃቡ ሳዕቤን እቲ እገዳ'ውን ምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ።

እንተኾነ ግና እተን ሃገራት ምስ ኣሜሪካ ንዝህልወን ዝምደና ሓሳዪ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን።

ሚኒስተር ዜና ናይጀርያ ነዚ እገዳ መገሻ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፥ ዛጊት ናይጀርያ ዝኾነ መጠንቀቕታ ከም ዘይበጽሓን፥ ከምኡ ምስ ዝኸውን ግን፡ ንኣውፈርቲ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ሕማቕ ከም ዝኸውን ሓቢሩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ 2017 እገዳ መገሻ ናይ ዘንበረለን ሃገራት ሰበስልጣንን ኣዝማዶምን ናብ ኣሜሪካ ዘእትው ዝተፈላለየ ዓይነት ቪዛ ከይወሃቦም ከም ዝገበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ እገዳ ንኢራን፡ ሊብያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶማል፡ ሶርያ የመንን ቬንዝውላን እዩ ተነቢሩ።

ባይቶ ኣሜሪካ፡ ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ፡ ንዜጋታት ገለ ሃገራት ናብ ኣሜረካ ከይገሹ ዝኽልክል ሕጊ ክዘራረበሉን ድምጺ ክህብን ምዃኑ ወሃቢት ቃል ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፐሎሲ ብሰኑይ ሓቢራ።

እቶም ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን በቲ ቀሪቡ ዘሎ ምሕጽንታ ኣቢሎም ኣብ 'ኮንግረስን' ኣብ 'ሰኔትን' ንዝርከቡ ኣባላት ባይቶ ነቲ ኹነታት ምብራህ፥ ዕላማ እቲ ምሕጽንታ (ፐቲሽን) ምዃኑ ኢብራሂም ሓቢሩ።