እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ዝግበር ዘሎ ልዝብ ተናዊሑ
ምስሕሓብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምፍታሕ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዝግበር ዘሎ ልዝብ ተናዊሑ'ሎ።
እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ትማሊ ረቡዕ ክወዳእ'ኳ ትጽቢት እንተነበረ ይቕጽል ምህላዉ ተፈሊጡ።
ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ብ4.5 ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎ ግድብ (ዲጋ) ብኸመይ ይመላእ ኣብ ዝብሉን ተዛማዲ ጉዳያትን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኽኣለን።
ገለ ካብቶም ኣጸገምቲ ኮይኖም ዘለዉ ጉዳያት፡ ናብ ሱዳንን ግብጽን ዝስደድ መጠን ማይ፡ እቲ ግድብ ንክመልእ ዝወስደሉ ግዜን እቲ ግድብ ዝሕዞ መጠን ማይን ይርከብዎም።
እቲ ልዝብ ብመንጎኛነት ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን እዩ ይካየድ ዘሎ።
ግብጺ፡ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት'ዚ ክምላእ እንተጀሚሩን ደርቂ እንተድኣ ኣጋጢሙን ብኸመይ ከም ዝተሓዝ ውሕስነት ክዋሃባ ጠሊባ'ላ።
ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፡ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ትማሊ ረቡዕ 29 ጥሪ ክፍረም'ዩ ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ።
ይኹን 'ምበር፡ ብሰንኪ'ቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምስምማዕ እቲ ልዝብ ይቕጽል ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
እቲ ዘተ መዓስ ከም ዝውዳእ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ህንጸት እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር እቲ ስሉሳዊ ልዝብ፡ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ኣካል ክሳተፍ ከይፈቐደት ዝጸንሐት እንትትኸውን፤ ሎሚ ዘበን ንፈለማ እዋን ኣመሪካን ባንኪ ዓለመን ኣብቲ ልዝብ ኢደን ይሓውሳ ኣለዋ።