ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሰበ-ስልጣን ምክልኻል ፈረንሳ ይዘራረቡ

ብሚኒስተር ምክልኻል ኣቶ ለማ መገርሳ ዝምራሕ፡ "ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት" ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ ክብላ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፡ ብዛዕባ'ቲ ምስ ፈረንሳ ዝህሉ ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ ምስ ሰበ-ስልጣን ፈረንሳ ክዘራረብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ፈረንሳ፡ ንሓይሊ ኣየርን፡ ነቲ ገና ዝፍልም ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምዕጣቕን ምስልጣንን ክትተሓባበር ምዃና ኣቐዲማ ተሰማሚዓ ምንባራ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ምዕቡል ሚሳይላት ካብ ሩስያ ክትገዝእ መደብ ከም ዘለዋ'ውን ገለ ማዕከናት ዜና ተዛሪበን።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሚኒስተር ምክልኻል ለማ መገርሳ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣሰንዩ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ (ኢታ ማጆርሹም) ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ኣደም መሓመድ ናብ ኤርትራ ከም ዝሰዓቦን፡ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተዘራረቡን ጸብጻባት ገሊጾም።

መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ንምውሓስ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ከም ዝገብሩ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ፍሊጦም ነይሮም።

እንታይ ዓይነት ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ግን ብዝርዝር ኣየነጸሩን።

እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከተቕዉም ምውሳና፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣሻቓሊ ኮይኑ ጸኒሑ'ሎ።

ኤርትራ ኣብ 1991 ሓርነታ ድሕሪ ምጉንጻፋ፡ እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉ ፈሪሱ'ዩ።