ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ'ዶ ነይሩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ሰኑይ [11 ጥቅምቲ 2012 ኣ.ኢ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ ዝገልጹ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ተዘርጊሖም ኣለዉ።
'ኣፍሪቃ ኢንስቲትዩት' ዝተበሃለ ሓደ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅጥቃጥ መሬት ተኸሲቱ ከምዝነበረ ዘአንፍት ሓበሬታ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣውጺኡ ነይሩ።
ግን ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣዲስ ኣበባ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ ነይረ'ዶ ይኸውን?
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጂኦፊዚክስ፣ ሳይንስ ኣስትሮኖሚን ዶክተር ኣታላይ ኣየለ፡ ኣብ ምንቅጥቃጥ መሬት መጽናዕቲ የካይድ'ዩ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ ብመሰረት ካብ ፉሪ [ካብ ኣዲስ ኣበባ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቦታ] ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘለዉ ሓሙሽተ ጣብያታት ዝተረኸበ መረዳእታ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ሜኢሶ ዝተበሃለ ከባቢ ምንቅጥቃጥ ኣጋጢሙ እዩ።
"ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ እቲ ኣብ መኢሶን ዝተፈጠረ ምንቅጥቃጥ'ዩ ንዝረት ተሰሚዕዎም" ክብል ኣረዲኡ።
ኣብ ከባቢ ሜኢሶ 5 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ፤ ንጉሆ ሰዓት 12 [06፡00] ከምዘጋጠመ ገሊጹ።
"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ሰባት'ውን ክስምዖም ይኽእል'ዩ፤ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ህንጻታት ዝጸንሑ ሰባት ብዝያዳ ክፍለጦም ይኽእል'ዩ። ብሬክተር ስኬል [መዕቀኒ ምንቅጥቃጥ መሬት] 5 ማለት ጉድኣት ዘብጽሕ ኣይኮነን" ኢሉ።
ብፍላይ ኣብ ኣዋሽንን ኣሰበ-ተፈሪን ብጣዕሚ ከምዝተሰምዐ ዘዘኻኸረ እቲ ተመራማሪ፡ ኣዲስ ኣበባ ድማ ንሓጓፍ ሽንጥሮ ዝቐረበት ብምዃና ከምዚኦም ዝበሉ ክስተታት ክስምዕዎ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ክስምዖምን ከሰንብዶምን ከሎ ንፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ድማ ተዛሪቡ።
"ብ2009 ኣ.ኢ ኣብ ኣንኮበር ዝተኸሰተ 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ፡ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታትን ንዝረት ተሰሚዕዎም'ዩ" ክብል ኣዘኻኺሩ።
ኢትዮጵያ ብ1953 ዘጋጠማ ምንቅጥቃጥ መሬት እቲ ዝዓበየ ኮይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ። እቲ ካራቆሬ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ብሬክተር ስኬል 6.5 ነይሩ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ድማ 30 ሰባት ሞይቶም።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







