ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ'ዶ ነይሩ?

ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትማሊ ሰኑይ [11 ጥቅምቲ 2012 ኣ.ኢ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ ዝገልጹ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ተዘርጊሖም ኣለዉ።

'ኣፍሪቃ ኢንስቲትዩት' ዝተበሃለ ሓደ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅጥቃጥ መሬት ተኸሲቱ ከምዝነበረ ዘአንፍት ሓበሬታ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣውጺኡ ነይሩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ግን ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣዲስ ኣበባ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ ነይረ'ዶ ይኸውን?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጂኦፊዚክስ፣ ሳይንስ ኣስትሮኖሚን ዶክተር ኣታላይ ኣየለ፡ ኣብ ምንቅጥቃጥ መሬት መጽናዕቲ የካይድ'ዩ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ብመሰረት ካብ ፉሪ [ካብ ኣዲስ ኣበባ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቦታ] ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘለዉ ሓሙሽተ ጣብያታት ዝተረኸበ መረዳእታ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ሜኢሶ ዝተበሃለ ከባቢ ምንቅጥቃጥ ኣጋጢሙ እዩ።

"ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ እቲ ኣብ መኢሶን ዝተፈጠረ ምንቅጥቃጥ'ዩ ንዝረት ተሰሚዕዎም" ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ከባቢ ሜኢሶ 5 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ፤ ንጉሆ ሰዓት 12 [06፡00] ከምዘጋጠመ ገሊጹ።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ሰባት'ውን ክስምዖም ይኽእል'ዩ፤ ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ህንጻታት ዝጸንሑ ሰባት ብዝያዳ ክፍለጦም ይኽእል'ዩ። ብሬክተር ስኬል [መዕቀኒ ምንቅጥቃጥ መሬት] 5 ማለት ጉድኣት ዘብጽሕ ኣይኮነን" ኢሉ።

ብፍላይ ኣብ ኣዋሽንን ኣሰበ-ተፈሪን ብጣዕሚ ከምዝተሰምዐ ዘዘኻኸረ እቲ ተመራማሪ፡ ኣዲስ ኣበባ ድማ ንሓጓፍ ሽንጥሮ ዝቐረበት ብምዃና ከምዚኦም ዝበሉ ክስተታት ክስምዕዎ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ኣብ ሜኢሶ ዝተኸሰተ ምንቅጥቃጥ ዝሕብር ካርታ

እዚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ክስምዖምን ከሰንብዶምን ከሎ ንፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ድማ ተዛሪቡ።

"ብ2009 ኣ.ኢ ኣብ ኣንኮበር ዝተኸሰተ 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ፡ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታትን ንዝረት ተሰሚዕዎም'ዩ" ክብል ኣዘኻኺሩ።

ኢትዮጵያ ብ1953 ዘጋጠማ ምንቅጥቃጥ መሬት እቲ ዝዓበየ ኮይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ። እቲ ካራቆሬ ኣብ ዝተበሃለ ከባቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ብሬክተር ስኬል 6.5 ነይሩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ድማ 30 ሰባት ሞይቶም።