ትራምፕ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ንኣብዪ ኣሕመድ ዘይኮነስ ንዕኡ ከምዝግባእ ተዛሪቡ

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ምሸት ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ቴሊዶ ተረኺቡ ነይሩ። ኣብኡ ዝተረኸበሉ ምኽንያት ድማ ጎስጓስ መረጻ ንምክያድ'ዩ። እንተኾነ ኣብ ሞንጎ ዘልዓሎ ሓደ ሓሳብ ንብዙሓት ኣዘራሪቡ'ሎ።

ንሱ ስማ ንዘይገለጻ ሓንቲ ሃገር ካብ ኲናት ከምዘድሓና ብምዝኽኻር፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ግን ንዕኡ ዘይኮነስ ንመራሒ እታ ሃገር ከምዝተወሃበ ተዛሪቡ።

ትራምፕ ዋላኳ ሰም ናይቲ ሽልማት ኖቤል ዝወሰደ መራሒ እንተዘይጠቐሰ፡ ዘረብኡ ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ምዃኑ ንጹር እዩ።

"ብዛዕባ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክነግረኩም፤ ስምምእ ገይረ ንሓንቲ ሃገር ኣድሒነ፤ እንተኾነ መራሒ ናይታ ሃገር 'ነታ ሃገር ኣድሒኑ ብዝብል' ሽልማት ኖቤል ሰላም ከምዝተዓወተ ሰሚዐ። ኣብኡ ግን ዝሰራሕኽዎ ስራሕ ኣይነበረን? ነይሩ'ዩ። ግን ከኣ ነዚ ክሳብ ዝፈለጥና ንሱ'ዩ ዘገድስ" ኢሉ ትራምፕ።

ሽልማት ኖቤል ሰላም ንዕኡ እናተገበአ ንኻልእ ከምዝተውሃበ ዘመልከተሉ ሓሳብ ከምዝኾነ ብዙሓት ይዛረቡ። እቲ መራሒ ሽልማት ክረክብ ዘኽኣሎ ንሱ ከምዝኾነ'ዩ ዘረድእ ዘሎ ዝብሉ'ውን ኣለዉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብ ሞንጎ'ቲ ንልዕሊ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዘስምዖ ዘረባ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ከልዕል ከሎ፡ እታ ሃገር መን'ያ? እቲ መራሒ ኸ? ንዝብሉ ሕቶታት ዘንጽር ሓሳብ ኣይሃበን።

ዓብዪ ኲናት!

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዘረብኡ፡ በቲ ንሱ ገይረዮ ዝበሎ ጻዕሪ ዓብዪ ኲናት ክተርፍ ከምዝኸኣለ ገሊጹ'ዩ። ንክልተ ሃገራት ካብቲ ኲናት ከምዘትረፈ'ውን ሓቢሩ።

ካብ ኲናት ከምዘድሓና ዝገለጻ ሃገር ኢትዮጵያ እንተኾይና'ሞ፡ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝወሰደ መራሒ'ውን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ እንተኾይኑ፡ 'እቲ ኲናት ምስ መን'ዩ ነይሩ?' ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን'ዩ።

ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጸርሕወን ሃገራት ክልተ'የን። ምስ ግብጺ ወይ ምስ ኤርትራ ከም ዝተሓሓዝ የረድኡ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ቴሊዶ ጎስጓስ መረጻ እናካየደ

ምንጪ ስእሊ, JAY LAPRETE

እቲ ኣትሪፈዮ ዝበሎ ኲናት ኣብ ሞንጎ እተን ብጉዳይ ህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዘይተቓደዋ ኢትዮጵያን ግብጽን እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ሽልማት ዝረኸበ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ክመጽእ ብምግባሩ እዩ።

ስለዚ ዘረባ ትራምፕ ትርጉም ከምዘይህልዎ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ይገልጹ።

ካብዚኦም ሓደ ደስቲን ሚለር ዝተበሃለ ተጠቃሚ ትዊተር "ትራምፕ ኣብ ኣኼባ ሚንስትራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ሓደ ግዜ ጥራይ እዩ ተረኺቡ። ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ንዝርከብ ለውጢ ዋንነት ክወስድ ድዩ ደልዩ? ክብል ሓቲቱ'ሎ።

ብኻልእ ገጽ ከኣ ዘረባ ትራምፕ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምዝተሓሓዝ ዘረድኡ ኣለዉ። ነዚ ዝበሉሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ መፋርቕ 2010 [ኣ.ኢ] ኣሜሪካዊ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ፡ ናብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ጂቡትን ብተደጋጋሚ ዝገበሮ ምብጻሕ እዩ።

ስለዚ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ንኽመጽእ መንግስቲ ኣሜሪካ እጃም ከምዝነበሮ የዘኻኽሩ። ትራምፕ ነዚ ዝገልጽ ዘረባ ከምዝተዛረበ ድማ ይሕብሩ።