ፕረዚደንት ግብጺ፡ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብኲናት ክፍታሕ ኣይክእልን'ዩ

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱል ፋታሕ አል-ሲሲ ምስ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተዛሚዱ ንዝተልዓለ ዘይምርድዳእ ኲናት ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን ኢሉ።

ኣል-ሲሲ ኣብታ ናይ ቱሪስት ከተማ ዝኾነት ሻርም ኤል ሼክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዝካየድ ስሉሳዊ ኣኼባ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክብጻሕ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

"ብዛዕባ ሓያልነትና ብዙሕ ክንጀሃር ኣይንደልን። ሚልዮናት ዲኻ ክተሰልፍ ወይስ ግድብ ክትሃንጽ?" ክብል ተዛሪቡ።

"ኣብ ኢድና ዘሎ ውሱን ሃፍቲ ብዂናትን ጎንጽን ክነባኽኖ ኣይግባእን። ህዝብና ንምልማዕ ክንጠቀመሉ ኣለና።"

ኣል-ሲሲ፡ ኲናት ፍታሕ ኣይከውንን ምባሉ፤ ነቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ፓርላማ ንዘስመዖ መደረ መልሲ ንምሃብ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ ተባሂሉ።

ዶ/ር ኣብዪ ኣብ ጉዳይ ናይቲ ግድብ ምስ ግብጺ ዘሎ ምስሕሓብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ናይ ዝኾነ ወገን ረብሓ ንምትንካፍ ዝወጠንናዮ ፕሮጀክት ኣይኮነን። ኮፍ ኢልና ክነውግዕ ኢና። እንተኾነ ግን፡ ህንጸት እቲ ግድብ ጠጠው ዘብል ዝኾነ ኣካል ኣይክህሉን'ዩ" ኢሉ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ካብ ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ግብጺ ዝተሰምዐ ኲናት ዝጽሕትሩ ዘረባታት ኣመልኪቱ ንዝቐረበ ሕቶ እዩ መልሲ ሂቡ።

"ኲናት ንዝኾነ ኣካል ኣይጠቅምን ኢልና ኢና ንኣምን። ኣድላይ እንተኾይኑ ግን ብሚልዮናት ዝቑጸር ክነሰልፍ ንኽእል ኢና" ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስትራት ሃገራት ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን፤ ብሞንጎኝነት መንግስቲ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዋሺንግተን ምዝታዮም ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዙርያ ህዳሰ ግድብ ዝነበረ ልዝብ፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ሳልሳይ ኣካል ኢዱ ከእቱ ክፍቀድ ንመጀመርታ ግዘ እዩ።