ዑመር ኣልበሽር ብዕልዋ 1989 ክሕተት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1989 ኣብ ዝተገበረ ዕልዋ መንግስቲ ንኽሕተት ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበ ተገሊጹ።

ብሓያል ተቓውሞ ህዝቢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ዑመር ኣልበሽር፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ 1989 ኣብ ስልጣን ዘምጸኦ ዕልዋ መንግስቲ ንኽሕተት ከም ዝተጸውዐ ጠበቕኡ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣንጻር ምኽሪ ሕጋውያን ኣማኸርቱ ከምዝኸደ'ውን ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ንዝበዝሑ ተቓወምቱ ዝዳጉነሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ኮባር ተኣሲሩ ከምዘሎ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ኣንጻር ዑመር ኣልበሽርን መሻርኽቱን በቲ ዝተወስደ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ቤት-ፍርዲ ክቐርቡ እማመ ኣሕሊፎም ነይሮም።

ኣልበሽር ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፤ ናይ ሞት ፍርዲ ወይ ንሕልፈት ክእሰር ከም ዝኽእል ይግለጽ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ክልተ ክስታት'ውን ቐሪብዎ ኣሎ። ዑመር ኣልበሽር፡ ንሱዳን ንኣስታት 30 ዓመታት ብምልኪ ከም ዝመርሓ ይፍለጥ።

ንሱ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ምዕራባዊ እታ ሃገር ዝርከብ ዞባ ዳርፉር ዝተፈጸመ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ገበናት ኲናት ከም ዝኽሰስን፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ከም ዝወሰነን ይዝከር።

ዑመር ኣልበሽር መን ኢዩ

ዑመር ኣልበሽር፡ ካብ ሓረስቶት ስድራ፡ ኣብ ሰሜናዊ ሱዳን ኣብ ጥሪ 1944 ተወሊዱ። ንሱ ካብ ኣል-በዳርያ ኣል-ዳማሽያ በደዊን ካብ ዝተባህሉ ዓለት ኢዩ።

ኣብቲ ዝተወልደሉ ቦታ ናይ መባእታ ትምህርቱ ድሕሪ ምክትታል፡ ስድርኡ ንካርቱም ምስ ገዓዙ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ካርቱም ተማሂሩ።

ዑመር ኣልበሽር ኣብ 1960 ኣብ ሰራዊት ሱዳን ተጸንቢሩ።

ኣብ ካይሮን ካርቱምን ወተሃደራዊ ትምህርቱ ድሕሪ ምክትታል ኣብ 1966 ተመሪቑ። ንሰንሰለት ወተሃደራዊ መዓርጋት ንኽበጽሖ'ውን ግዜ ኣይወሰደሉን።

ኣብ 1973 ኣንጻር እስራኤል ንኽዋጋእ ምስ ወተሃደራት ግብጺ ተጸንቢሩ።

ብኡ ኣቢሉ ድማ ደረጃ ወተሃደራዊ መዓርግን ተመኩሮን እናወሰኸ ከይዱ።

ብ1989 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ድሕሪ ምሓዝ፡ ኣብ መጋቢት 1996 ከም ፕረዚደንተ ሱዳን ኮይኑ ተመሪጹ።

ድሕሪ 30 ዓመታት ምልካዊ ምሕደራ ድማ ብ11 ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ ብዙሕ ዝፍለጥ'ኳ እንተዘየሎ፡ ቖልዑ ከም ዘይብሉን፡ ወዲ 50 ዓመት ምስ ኮነ ካልአይቲ ሰበይቲ ከም ዝተመርዓወን ይንገር።