ሩስያ ኦሎምፒክ 2020ን ዋንጫ ዓለም 2022ን ዝርከቦም ዓለማዊ ውድድራት ስፖርት ተኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ስፖርት ዓለም ንኸይትሳተፍ ብኤጀንሲ ጸረ ምጥቃም ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ ነገራት [ኣንቲ ዶፒንግ -ዋዳ] ንኣርባዕተ ዓመታት ተኣጊዳ።
እዚ ከኣ ባንዴራ ሩስያ ኣብ ኦሎምፒክን ፓራሊምፒክን ቶክዮ 2020 ከምኡ ድማ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ምጥቃም ይኽልክል።
ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ ነገራት ብምጥቃም ዘይተጠርጠሩ ኣትሌታት ግን ባንዴራ ሩስያ ከይሓዙ ኣብቶም ውድድራት ክሳተፉ ከምዝኽእሉ እቲ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚንስትር'ታ ሃገር ድሚትሪ መድቨደቭ ነቲ ውሳነ "ሕዱር ኣንጻር ሩስያ ዘቕነዐ ጽላለ" ክብል ገሊጽዎ።
"ኣብ ሩስያ ማለተይ ኣብ ማሕበረሰብ ስፖርትና ምስ ምጥቃም ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ ነገራት [ዶፒንግ] ዝተሓሓዙ ጸገማት ሎሚ'ውን ከምዘለዉ ፍሉጥ'ዩ" ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ነዚ ምኽሓድ ከምዘይከኣል ገሊጹ።
እዞም ውሳነታት ክደጋገሙ ምኽኣሎም ግን ሓደ ግዜ ብዝተፈላለዩ መገድታት ተቐጺዖም ንዝጸንሑ ኣትሌታት ከምዝሃስዩ ኣዘኻኺሩ።
ላዕለዋይ ኮሚቴ ዓለማዊ ኤጀንሲ ጸረ ሓይሊ ወሃብቲ ንጥረ ነገራት ሎሚ ሰኑይ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ'ዩ ነቲ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ሩስያ ኣብዚ ውሳነ ይግባይ ንምሕታት ናይ 21 መዓልታት ዕድል ከምዝተወሃባ ተፈሊጡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







