ስነ-ጽሑፍ፡ እጽዋትን ባህላዊ ትውፊታትን ትግራይ ዝሰነዱ ጸሓፊ ካሕሳይ ገብረእግዚአብሔር ስርዓተ ቀብሮም ተፈጺሙ

ደራሲ፣ መምህርን ጋዜጠኛን ካሕሳይ ገብረእግዚአብሔር

ምንጪ ስእሊ, FAMILY

ደራሲ፣ መምህርን ጋዜጠኛን ካሕሳይ ገብረእግዚአብሔር ስርዓተ ቀብሮም ሎሚ ዕለት 25 ሕዳር 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ዓዲ ሽምድሐን ማሪያም ቤተክርሲቲያን ተፈጺሙ።

ካሕሳይ ገብረእግዚአብሔር "ህብረ ብዕር"፣ "ብፁአን እነማን ናቸው?"፣ "ባህል እና ክርስትያናዊ ትውፊት በኢትዮጵያ"፣ "ምንኩስና በኢትዮጵያ" ከምኡ'ውን "ምስጢረ ፊደል ወትርጓሜሁ" ዝብሉ መጻሕፍቲ ዘበርከቱ እዮም።

ብፍላይ "ህብረ ብዕር" ዝብል ስሙይ መጽሓፎም ብሰለስተ ተኸታታሊ ክፋል ዝቐረበ እንትኸውን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ባህልታት፣ ልምድታትን ናይ ቦታ ኣስማትን ምስ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ዘዝንትው እዩ።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣዝርእትን እጽዋትን፣ ልምድታትን ባህላዊ ጸዋታትን 'ውን ብሰፊሑ ኣብዚ መጽሓፎም ይርከቡ።

መምህር ካሕሳይ ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ'ውን ባህላዊ ወግዕታት ብምቕራብ ይፍለጡ።

ብተዋህዶ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኣብ ዝሰናዳእ "ዜና ቤተክርስትያን" ዝተብሃለ ጋዜጣ ድማ ምክትል ዋና ኣሰናዳኢ ኮይኖም ክሳብ ዕለተ ሞቶም ሰሪሖም።

ቅድም ክብል ብመምህርነትን ርእሰ መምህርን ኮይኖም ከምዝሰርሑ ህይወት ታሪኾም የዘንትው።

ኣብ እዋን ስርዓት ደርጊ ድማ ንጋዜጣ "ሠርቶ አደር" ሪፖርተር ኮይኖም ከምዝሰርሑ ይዝረብ።

ካሕሳይ ገ/እግዚአብሔር፤ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ ሆስፒታል ጥቁር አንበሳን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሆስፒታላትን ሕክምናዊ ሓገዝ እናተገበረሎም እንተጸንሐ'ኳ፤ ትማሊ ምሸት 24 ሕዳር 2012 ዓ. ም. ኣብ መበል 66 ዕድሚኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለዩ ብቐረባ ዝፈልጡዎም ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ናዕዴር ዓዴት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝተወለዱ ደራሲ፣ መምህርን ጋዜጠኛን ካሕሳይ ገብረእግዚኣብሄር፤ ኣቦ ሰለስተ ቖልዑ ነይሮም።

ደፋር ጸሓፊ

ፕረዚደንት ማሕበር ደራስያን ኣይተ ጌታቸው በለጠ፡ ደራሲ ካሕሳይ ካብ ስራሕቲ ድርሰት ብተወሳኺ፡ ኣብ 'ኣዲስ ዘመን'ን 'የዛሬይቱ ኢትዮጵያ'ን ብናይ ብርዒ ስም ይጽሕፉ ምንባሮም ይዝክሩ።

ብፍላይ ታሪኻውን ባህላውን ጸጋታት ሰሜን ኢትዮጵያ ክምዝገቡን ክፍለጡን ዝገበርዎ ጻዕሪ ብዙሕ ከምዝኾነ ይምስክሩ።

"ብኹነታት ዘይዕጸፍ፣ ንሕልንኡ ጠጠው ዝበለን ንሞይኡ እሙንን ሰብ ነይሩ" ኢሎም።

ኣብ ቤተ ክህነት ስራሕቲ ጽሑፍ ሓቢርዎም ከምዝሰርሐ ዝዛረብ፤ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ድማ፡ ብፍላይ ባህላዊ ጸጋታትን ፍልጠትን ሓረስቶት ትግራይን ኣምሓራን ብምጽብጻብ መሪሕ ጸሓፊ ከምዝኾኑ ይዛረብ።

ብኣጸሓሕፋን ኣቀራርባን ፎክለር ባህሊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንደራሲ ካሕሳይ ገብረእግዚኣብሄር ዘርክብ ከምዘየለ 'ውን ተዛሪቡ።

ዝኣመኑሉ ካብ ምግባር ንድሕሪት ዘይብሉ ደፋር ጸሓፊ ከምዝነበሩ ድማ ኣይተ ጌታቸውን ዲያቆን ዳንኤል ክብረትን ሓቢሮም።

ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ እዋን ምስ መነኮሳት ዝተዛመደ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዛንታ ምስሃገረ ስብከት ኣዲስ አበባ ብዘይምስናዮም፡ እቲ መጽሓፎም ንከመርቑ ኣዳራሽ እንተተኸልኡ'ኳ፡ እቲ መጽሓፎም ኣብ ማእኸል መንገዲ ከምዘመረቑዎ ይዛረቡ።

ካሊእ ብቕርበት ዝፈልጦም ጋዜጠኛ ንጉሰ ኣክሊሉ ብወገኑ፡ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ቤተክህነት ዝረኣዩ ጌጋታት ኣብ ምቅላዕ ዓብዪ እጃም ከምዝተጻወቱ ይገልጽ።

"ካሕሳይ ሳይንቲስት'ውን እዩ ነይረ" ዝበለ ጋዜጠኛ ንጉሰ፡ ኣብ ስነ-ህይወት ስራሕቲ ምርምር የካይዱ ከምዝነበሩን፡ ብፍላይ ኣብ እጽዋት ፍሉይ ጠውላሕታ ከምዝበሮምን ኣዘኻኺሩ።

"ሞቱ ንሃገር ዓብዪ ጉድኣት እዩ" እውን ኢሉ።