ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ንምስክርነት ዝተጸወዐት ኣምባሳደር እቲ ፕረዚደንት ከምዘፈራርሓ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ጉዳይ ትራምፕ ቃላ ምስክርነት ዝሃበት፡ ኣብ ዩክረይን ዝነበረት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሜሪ ዮቫኖቨች፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ደዊሉ ብስቱር መንገዲ ከምዘፈራርሓ ተዛሪባ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ናብ ፕረዚደንት ዩክረይን ብምድዋል "ንሳ ገለ ጸገም ኣለዋ" ክብል ብዛዕበኣ ከም ዝተዛረበ ገሊጻ።
ትራምፕ፡ ናብ መራሒ ዩክረይን ደዊሉ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ ምርጫ ቀንዲ መወዳድርቱ ዝኾነ ጆ ባይደን መረዳእታ ክህቦ ሓቲቱ ብዝብል'ዩ ክሲ ዝቅርበሉ ዘሎ።
ወዱ ንጆ ባይደን፡ ሃንተር ባይደን ኣብ ዩክረይን ነዳዲ ዘውጽእ ኩባንያ ኣለዎ። እዚ ከኣ ንኸሰስቲ ትራምፕ ምቹእ ኩነታት ክፈጥረሎም ኪኢሉ'ዩ።
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ናብ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ ስልኪ ዝደወለ ትራምፕ ናታ ኣምባሳደር "ሕማቕ ዜና" ክብል ብዘረብኡ ተንኪፍዋ ነይሩ።
ብዚ ምኽንያት ናብ ኮንግረስ ቀሪባ ቃል ምስክርነት ክትህብ ዝተዓደመት ኣምባሳደር ማሪ፡ እቲ ፕረዚደነት ዝተዛረቦ ዘረባ ኣጨኒቕዋ ምንባሩ ትዛረብ።
"እቲ ፕረዚደንት እንታይ ክብል ከምዝደለየ ኣይተረድኣንን። ዝበሎ ነገር ግን ኣጨኒቑኒ ነይሩ። ክሳብ ሎሚ'ውን የሕስበኒ" ክትብል ነቲ ባይቶ ቃላ ሂባ።
ሽዑ ኣብ ውድብ ሕቡራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ንዝነበረ ጎርድን ሶንድላንድ ሓሳባ'ኳ እንተካፈለቶ፡ ዝረብሕ መልሲ ከምዘይሃባ ኣዘኻኺራ።
ደጋፊ ትራምፕ ምዃኑ ዝግለፍ ጎርደን 'ንትራምፕ ዝውድስ ሓሳብ ኣብ ትዊተር እንተጽሒፍኪ ይሓይሽ' ዝብል ማዕዳ ከምዝለገሰላ ድማ ሓቢራ።
ካብ ሚንስተር ፍትሒ ዩክሬይን ከኣ 'ክጥንቀቕ' ከምዘለዋ ዝሕብር መልእክቲ በጺሕዋ ምንባሩ እትዛረብ እታ ኣምባሳደር፡ ጠበቓ ትራምፕ ዝኾነ ሩዲ ጁልያን ብወገኑ፡ ንዓኣ ዘናሽው ሓሳብ ሂቡ ምንባሩ ተዛሪባ።
እዚ ድማ እቲ ኩነታት ዘስግእ ከም ዝኾነ ንኽትሓስብ ከምዝገበራ ትዛረብ።
ኣምብሳደር ሜሪ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት'ያ ስርሓ ለቒቓ ናብ ኣሜሪካ ዝተመለሰት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







